Fana: At a Speed of Life!

ዩንቨርስቲ ጅማን ኣርሲን ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዘሰልጠንዎም ተምሃሮ ኣመሪቖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዩንቨርስቲ ጅማን ኣርሲን ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዘሰልጠንዎም ተምሃሮ ኣመሪቖም።

ዩንቨርስቲ ኣርሲ 1 ሺሕን 201 ተምሃሮ ብቐዳማይን ካልኣይን ዲግሪ ኣመሪቑ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ግብርና ሶፊያ ካሳ (ዶ/ር)፣ ኣካቢ ቦርድ እቲ ዩንቨርስቲ ፍቃዱ ምትኩ (ዶ/ር)ን ካልኦት ኣጋይሽን ተረኺቦም።

ብተመሳሳሊ ዩንቨርስቲ ጂማ ብቐዳማይ ዲግሪ 2 ሺሕን 53 ተምሃሮ፣  ካልኣይ ዲግሪ 992 ተምሃሮ፣ ሳልሳይ ዲግሪ 61 ተምሮ ተምሃርኡ ኣመሪቑ።

ኣብ ስነ ስርዓት እቲ ምረቓ ዝተረኸባ ሚኒስትር ጉዳያት ካቤኔ ቤት ፀሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን ኣካቢት ቦርድ ዩንቨርስቲ ጂማን  ኣለምፀሐይ ጳውሎስ፥ እቲ ዩንቨርስቲ ምስ ኮሌጅ ጥዕና ሳይንስ ፋጡማ ሕቡራት ኢሜሬትስ ዓረብ ብምትሕብባር ብብርኪ ዓለም ዘሰልጠኖም ቀዳማይ ዙር ምሩቓት ምክታቱ ተዛሪበን።

ብኦሊያድ በዳኔን በሪሳ ሃይለማሪያምን

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.