ዳታ ንዕብየት ሃገር ክነውዕሎ ይግባእ – ወርቁ ጋቸና (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ግንቦት 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ዳታ ንዕብየት ሃገር ክነውዕሎ ይግባእ ኢሎም ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ወርቁ ጋቸና (ዶ/ር)።
ኢትዮጵያ ናብ ልኡላውነት ዳታን ስታቲስቲክስን ኣብ ዝገበረቶ ጉዕዞ ዘመዝገበቶ ዓወት ጠመተ ዝገበረ “ልኡላውነት ሓበሬታ ንናፅነት ፖሊሲ” ብዝብል መሪሕ ሃሳብ ሃገራዊ ጉባኤ ተኻይዱ።
ዋና ዳይሬክተር ኣብቲ እዋን ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ዓውዲ ዳታን ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስን ዝጥቀማ ትካላት ዓቕመን ምፍራይ የዕብያ ከምዘለዋ ገሊፆም።
ኣፍሪካ ኣብ ዳታ ብሰፊሑ ክትሰርሕ ከምዘለዋ ብምሕባር፤ ኣፍሪካውያን ኣብቲ ዓውዲ ግንዛበ ክወሃቦም ይግባእ ኢሎም።
ዓውድታት ሕርሻ፣ ኢንዳስትሪ፣ ግልጋሎት፣ ጥዕና፣ ትምህርቲ፣ ኢነርጂን ቴሌኮምን ዓበይቲ ምንጪ መረዳእታ ኮይኖም ከምዘለዉ ገሊፆም።
ብወንድማገኝ ፀጋዬ