Fana: At a Speed of Life!

ጉባኤ ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ብባዕላ ሓድሽ ታሪኽ እትፅሕፈሉ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ዘኹርዑ ባህልታትን በዓልቲ ብዙሕ ፅባቀ ዘለዋ ሃገር እኳ እንተኾነት ኩሎም ዝሓለፈቶም ገፃት ታሪኽ ብስምምዕ ዝተመልኡ ኣይነበሩን።

ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝመሓላለፉ ብዙሓት ፅቡቓት ክብርታት ከም ዘለዉ ኮይኖም ክሳብ ሎሚ እውን ሃገራዊ ሓድነትን ዘላቒ ሰላምን ዝፍትኑ ታሪኻዊ ጎንፂታት ዘበን እንትሳገሩ ይርኣዩ፡፡

እዚ ሕዚ ዝተጀመረ ጉባኤ ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ካብዞም ሕልኽልኽ ታሪኻዊ ኩነታት ሓሊፋ፣ ብባዕላ ሓድሽን ብሩህን ታሪኽ ንምፅሓፍ ዘኽእላ “ብዕርን ብራናን” ዝረኸበትሉ ታሪኻዊ ዕድል እዩ።

እቲ ኢትዮጵያ ተካይዶ ዘላ ጉባኤ ሃገራዊ ዘተ፣ ንኹሎም ኢትዮጵያውያን ዝቐረበ ፅሩይ ብራና እዩ።

እቲ ብራና ዝሓለፉ ጌጋታት ዝእረሙሉ ማሕበራዊ ምትእስሳር ዝደልድለሉ መሰረት መፃኢ ኢትዮጵያ ዝንበረሉን ህዝቢ ዕድሉ ብባዕሉ ዝውስነሉን ሓድሽ ገፅ እዩ።

እቲ ብዕሪ ድማ ናይ ኲናት መሳርሒ ዘይኮነስ ሓሳብ ብሓሳብ ዝዕወተሉ ብልዕልና ሓሳብ ዝጎልሀሉ ባህሊ ምድማምፅን ምምኽኻርን ዝህፅሉ መሳርሒ እዩ።

እዚ ብርዒ ሓረስቶት፣ ሽማግለታት ሃገር፣ ኣቦታት ሃይማኖት፣ መንእሰያት፣ ደቂ ኣንስትዮን መላእ ኢትዮጵያውያንን ብሓባር ዝጨበጥዎ ብርዒ እዩ።

ሕድሕድ ዜጋ ኣብቲ ጉባኤ ዘልዕሎ ሕቶን ዘቕርቦ ሓሳብ ፍታሕን ኣብቲ ታሪኻዊ ብራና ዝስፈር መምርሒ ናይ ኢትዮጵያ ናይፅባሕ ክኸውን እዩ።

ኢትዮጵያ ብጥበብን ብስለትን ደቃ ሓድሽ ምዕራፍ ታሪኽ ጀሚራ ኣላ፤ ኣብቲ ብራና ድማ ናይ ኩሉ ዝኾነት ኢትዮጵያ ብብርዓ ክትፅሕፍ እያ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ትማሊ ኣብ ስነ-ስርዓት ምጅማር ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ከም ዝገለፅዎ፣ ኣፈላላያት ብዝሰልጠነ መገዲ ብዘተ ምፍታሕ፣ ረብሓ ሃገር ንምሕላውን ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅን ዓብዪ ግደ ኣለዎ።

ብ ሶስና ኣለማየሁ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.