Fana: At a Speed of Life!

ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ሃገራዊን ማሕበራዊን ሓላፍነቱ ይዋፃአ ኣሎ – ሊቀ ትጉሃን ቀሲስ ታጋይ ታደለ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ሃገራዊን ማሕበራዊን ሓላፍነቱ እናተዋፀአ ከምዝርከብ ዋና ፀሓፊ እቲ ጉባኤ ሊቀ ትጉሃን ቀሲስ ታጋይ ታደለ ገሊፆም።

ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ መበል 15 ዓመት በዓል ምስረትኡን መበል 18 ሓፈሻዊ ጉባኤኡን የካይድ ኣሎ።

ዋና ፀሓፊ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ሊቀ ትጉሃን ቀሲስ ታጋይ ታደለ ብዛዕባ ጉዕዞ እቲ ጉባኤ ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ እቲ ጉባኤ ኣብ መላእ ሃገር ሰላም ንኽዓስል ዝከኣሎ ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ከምዘሎ ገሊፆም።

ፀገማት ንምፍታሕ ብሓባር ምስራሕ ኣማራፂ ዘይብሉ መፍትሒ ምዃኑ ብምእማን፤ ኣቦታት ሃይማኖት ብሓባር እናሰርሑ ከምዘለዉ ኣመልኪቶም።

እቲ ጉባኤ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ጎንፂታት ከይፍጠሩ ብምግባር ሕቶታት እንተሃልዮም ድማ ብዘተ ክፍትሑ ከምዝከኣል ብምርኣይ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናወገነ ይርከብ ኢሎም።

ሕብረተሰብ ናይ ምቅርራብን ዕርቂን ንምምፃእ ዝዓለመ ስራሕቲ ብስፍሓት እናተኻየዱ ከምዝርከቡ እውን ኣብሪሆም።

ብሓባር ብምስራሕ ውፂኢት ክመፅእ ከምዝኽእል ብምእማን ኩሎም ትካላት ሃይማኖት ብሓባር እናተጓዓዙ ይርከቡ ኢሎም።

እቲ ጉባኤ ህዝባዊ ሓላፍነቱ ብግቡእ እናተዋፀአ ምዃኑ ብምፅራሕ ሃገራዊን ዓለምለኻዊን ጉባኤታት ብምድላው ልዑል ውፅኢት ከምዝተመዝገበ ገሊፆም።

ኣብ ቀፃሊ እዋን እውን እቲ ጉባኤ ንረብሓ ሃገርን ህዝቢን ብትኹረት ከምዝሰርሕ ኣስሚሮምሉ።

ኣብቲ ጉባኤ ፕሬዝዳንት ታዬ ኣፅቀ ሽላሴ ሓዊሱ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን መሻርኽቲ ትካላትን ተረኺቦም።

ብወንድማገኝ ፀጋዬ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.