ጉዕዞ ብልፅግና ከተማና ዝዕቀን ዘይተጠቐምናዮም ሃፍቲታት ናብ ማእኸላት ልምዓት ብምቕያር እዩ- ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ጉዕዞ ብልፅግና ከተማና ዝልካዕ ዘይተጠቐምናዮም ሃፍቲታት ናብ ማእኸላት ልምዓት ብምቕያር እዩ ኢለን፡፡
እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ‘ገላን ጉራ ኣሰር ብልፅግና!’ ብዝብል ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ ናብራ ዜጋታት ንምምሕያሽ እናተሰርሐ ምኳኑ ገሊፀን፡፡
ስፍሓትን ዕምቆትን ጉዕዞ ብልፅግና ከተማና ዝዕቀን ሕንብርቲ ከተማና ብምፅባቕ ጥራይ ዘይኮነ፤ ትማሊ ብግቡእ ዘይተጠቐምናሎም ፀጋታትን ከባቢታትን ኣዒንትና ከፊትና ናብ ማእኸል ልምዓትን ዕብየትን ብምቕያር እውን እዩ ኢለን።
ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዝርአ መሰረተ ልምዓት ዘይነበሮ ከባቢ ገላን ጉራ ሎሚ ታሪኻዊ ምዕራፉ ቀይሩ ሓፈሻዊ ደረጃ ልምዓትን መዋቕራዊ ስግግር ለውጢ ከተማና ዘርኢ ማእኸል ኢኮኖሚን ማሕበራውን ምትእስሳር ኮይኑ ክብላ ገሊፀን።
ሎሚ ኣብቲ ቦታ ዝዓረፈ ኣሰር እግሪ ኢንዳስትሪ ፓርክ ጥራሕ ዘይኮነስ መልክዕ ነበርታን ህይወትን ምሉእ ብምሉእ ካብ ስሩ ዝቐየረ እዩ ኢለን፡፡