ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ምስ እስራኤል መዘነኦም ተዛትዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ብልዑል ጉጅለ ልኡኽ ንግዲ ተመሪሖም ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተው ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ እስራኤል ጌዲዮን ሳር ዘትዮም፡፡
ክልቲኦም ሚኒስትራት ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ብዝበለፀ ምጥንኻር ዘኽእሉ ክልቲኣውን ዞባውን ጉዳያት ዘትዮም።
ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ናብ ልዑል ብርኪ ንምስግጋር ኣብቲ ዓውዲ ዝተመሓየሸ ልምዲ ምስ ዘለዋ እስራኤል ምትሕብባራ ኣጠራኺራ ከምትቕፅል ጌዲዮን (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ኣረጋጊፆም፡፡
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ከምዝሓበሮ÷ ፀላእትና ዝኾነ ብግብረ ራዕዲ ንምውጋእ ምስ እስራኤል ምትሕብባርና ክነሐይል ኢና ክብሉ ገሊፆም።
ጌዲዮን ሳር ብግዲኦም÷ኢትዮጵያ ናይ ኣፍሪካ መእተዊ በሪ ብምዃና ናይ እስራኤል ቐንዲ መሓዛ እያ ኢሎም፡፡
እስራኤል ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ታሪኻውን ጥንኹር ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ ብኢኮኖሚ ብዝበለፀ ንምጥንኻር እስራኤል ቆራፅ ምዃና እውን ኣረጋጊፆም።