ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኢራን ተዛቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኢራን ኢሻግ ኣል ሃቢብ ተዛቲዮም፡፡
ኣብ ዘተኦም ድማ ኢትዮጵያን ኢራንን ናይ ጥንቲ ዘበን ስልጣነን ባህሊን ዘለወን ሃገራት ከምዝኾና ተሓቢሩ፡፡
እተን ሃገራት ክልተኣዊ ርክበን ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሉ ከምኡ እውን ዓውዲታት ምትሕብባር ንምፍላይ ዘኽእል ምኽክር ገይሮም፡፡
ኢትዮጵያን ኢራንን ኣብ ሃገራት ዓለም ክልተኣዊን በዓል ብዙሕ ወገን ዲፕሎማሲን ምትሕብባር ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ 75 ዓመታት ዘቑፀረ ክልታኣዊ ርክብ ከምዘለወን ሓበሬታ ሚኒስቴር ጉዳያተወ ወፃኢ የመላኽት፡፡