ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ኣፍራዪ ኢንዱስትሪ ኣብ ምምዕባል ዘተባብዕ ውፅኢት ተመዝጊቡ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ብዝተጀመረ ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ኣፍራዪ ኢንዱስትሪ ኣብ ምምዕባል ዘተባብዕ ውፅኢት ተመዝጊቡ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ሎሚ ኣብ ዝተኸፈተ መበል ሳልሳይ ዓለም ለኸ ኤክስፖ ኢትዮጵያ ተፍሪ ብምርካብ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ኣብ መለእኽቶም፥ ዓቕሚ ምፍራይ ኢንዲዱስትሪታት 46 ሚኢታዊ ከመዝነበረ ኣዘኻኺሮም።
ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመተን ፈረቓን 61 ሚኢታዊ ምዕባይ ከምዝተኽኣለ ድማ ኣረጋጊፆም።
ኣብ ፅባሕ ለውጢ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንምምዕባል ኣብ ዝተመረፁ ሴክተራት ጭቡጥ ወፅኢት ንክርከብ ኣፍራዪ ኢንዱስትሪ ልዑል ግደ ምፅዋቱ ገሊፆም።
ዘይተቐየረ ኢኮኖሚ ዝፀንዐ ሃገር ደው ከብልል ኣይኽእልን በዝብል መትከል ኢኮኖሚ ንምንቅስቓስ ዕላማ ካብ ዝተገበረሎም ሴክተራት ሓደ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ኣብቲ ዓውዲ ካብ ዘለዉ ኢንዱስትሪታት ውሽጢ ድማ ዓው ምፍራይ ናይ ኢኮኖሚ ዓንዲ ንምግባር ናይ 10 ዓመት ተልሚ ምዕባለ ናብ ስራሕ መእታዉ ኣዘኻኺሮም።
ብፍላይ ዓውዲ ኣፍራዪ ኢንዱስትሪ ካብ ወሽጢ ዓዲ ሓሊፉ ንዕዳጋ ወፃኢ ምቕራብ ዘኽእል ዓውዲ ግብርና ንምህናፅ ዓሊሙ ነቲ ዓውዲ ጠመተ ብምሃብ ናብ ስራሕ ከመዝተኣተወ ተዛሪቦም።
እቲ ዓውዲ ንምጥንኻር ኣፍራዪ ኢንዱስትሪ ናይ ገብርና ዓውዲ ምዝማን ዝኽእሉ ብዙሓት ማሽናት አንተፍሪ ምፅንሑን በዚ ድማ እቲ ኣፍራዪ ኢንዱስትሪ ብዙሓት ማሽናት ምግጥጣምን ምፍራይን ምኽኣሉ ገሊፆም።
ብመሰረት እዚ ኢትዮጵያ ካብ ወፃኢ ተእትዎ ፍሪያት ሸቐጥ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ምትካእ ከምዝተኽኣለ ኣብሪሆም።