ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ውፅኢታውነት ኢንዱስትሪታት የረጋግፅ ኣሎ – ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዘፈር ምፍራይ ዝረኣዩ ማሕለኻታት ንምፍታሕ ዝተጀመረ ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ውፅኢታውነት ኢንዱስትሪታት የረጋግፅ ኣሎ ኢሎም ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ።
ኣመራርሓን ኣባላትን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ፍሉይ ዞባ ኢኮኖሚ ቦሌ ለሚ ዑደት ኣሳሊጦም።
ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ እቲ ዑደት ኢንዱስትሪታት ስራሕቲ ምንቅስቓስን ዝርከቡሉ ብርኪን ንምዕዛብ ኢዩ።
ኣብቲ ዓውዲ ዝረኣዩ ማሕለኻታት ንምፍታሕ ዝተጀመረ ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ውፅኢታውነት ኢንዱስትሪታት እናረጋገፀ ከምዝርከብ ምዕዛቦም ፀሪሖም።
ዓውዲ ምፍራይ ሸርፊ ወፃኢ ብምድሓንን ሰፊሕ ዕድል ስራሕ ብምፍጣርን ልዑል ኢኮኖሚያዊ ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም፡፡
ዕቤት እቲ ዓውዲ ንምርግጋፅ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ምጥንኻር ከምዝግባእ ብምግላፅ÷ ነዚ ድማ እቲ ባይቶ ኣድላዪ ሓገዝ ከምዝገብር ኣረጋጊፆም።
ኣመራርሓን ኣባላትን እቲ ባይቶ ስራሕቲ ስራሕቲ ምንቅስቓስ ኤ ኤም ጂ ሆልዲንግስን ከምዝተዓዘኑ እውን ተሓቢሩ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!