Fana: At a Speed of Life!

ጣልያን ጦር መራኽብ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከተዋፍር እያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም 8፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ጣልያን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝንቀሳቐሳ መራኽባ ድሕንነት ንምሕላው ኣብ መስመር ንግዲ ባብ ኢል ማንዳብ ጦር መራኽብ ክተዋፍር እያ።

ሚኒስትር ምክልኻል ጣልያን ጉይዶ ክሮሴቶ ከምዝገለፁዎ፤ ምስ ንጥፈታት ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ተተሓሒዙ ድሕነት መራኽብ ንግዲ ጣልያን ኣብ ስግኣት ኣትዩ ይርከብ።

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መራኽብ ብናፅነት ክንቀሳቐሳ እንተዘይክኢለን፤ ኢኮኖሚ ዓለም ኣብ ሓደጋ ክኣቱ ከም ዝኽእል ዘጠንቀቑ እቶም ሚኒስትር፤ ሮም ድሕነት መራኽብ ንግዳ ንምሕላው ካብ ሕብረት ኣውሮፓ ዝመፅእ ሓባራዊ ውሳነ ከም ዘይትፅበ ገሊፆም።

ድሕነት ቀይሕ ባሕሪ ንምሕላው እኹል ዓቕሚ ኣለና ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፤ ሮም ኣብ ዝቕፅሉ እዋናት ድሕነት ንግዳዊ መራኽባ ንምርግጋፅ ሓይሊ ባሕራን ናይ ጦር መራኽባን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከምተዋፍር ምሕባራ ኣልጀዚራ ፀብፂቡ።

ጣልያን ኣብ መስመር ቀይሕ ባሕሪ ልዑል ልውውጥ ንግዲ ከምዝገብራን ነቲ መስመር ንግዲ ዓብዪ ትኹረት ካብ ዝህባን ሃገራት ሓንቲ እንትትከውን፤ ካብ ኤስያን ማእኸላይ ምብራቕን እተእትዎም ፍርያታትን ቀረባት ሓይሊን ብቲ መስመር ይሓልፋ።

ጅቡቲ፣ ኤርትራን የመንን ዘጠቓልል መስመር ቀይሕ ባሕሪ፤ ካብ 12 ክሳብ 15 ሚእታዊ ዝኸውን ልውውጥ ንግዲ ዓለም ዝካየደሉ መስመር ባሕሪ እዩ።

ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ንገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝርከቡ ከባቢታትን ስትራቴጂካዊ ወደባትን ከም ዝተቖፃፀሩ ድሕሪ ምግባሮም፤ ድሕንነት ቀይሕ ባሕሪን መራኽብ ንግዲን ኣብ ስግኣት ኣትዩ ይርከብ።

ብሚኪያስ ኣየለ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.