ፀረ ደባይ ውግእ ክምክት ዝኽእል ዓቕሚን ቁመናን መግለፂ ሰራዊት ምክልኻል
ኣዲስ ኣበባ፣ ጥቅምቲ 16፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብዘበናዊ ኣፅዋር ኲናትን ብዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብን ዝተወደበ ብምዃኑ፤ ንፀረ ደባይ ውግእ ክምክት ዝኽእል ዓቕሚን ቁመናን ፈጢሩ ኣሎ።
ሰራዊት ምክልኻል ካብ ዝተመስረተሉ እዋን ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ እናኣካየዶ ዝፀንሐ ሃገር ካብ ፀላኢ ናይ ምክልኻል ተግባር ነዚ ሓቂ ዘረጋግፅ እዩ።
ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢን ሰላም ሃገር ንምዝራግ ዝተወደቡ ፀረ ሰላም ሓይልታት ዝፈጥሩዎ ትንኮያን ደባይን ውግእ ዓቕሚ ሰራዊት ኣብ ምዕንቃፍ ዝኾነ ይኹን ውፅኢታዊ ግደ ክፃወቱ ከምዘይኽእሉ ብተደጋጋሚ ተራእዩ እዩ።
ኣብ ዓለም ለኻዊን ኣህጉራዊን ዞባዊን ጉዳያት ፀፅታን ድሕንነትን እኹል ፍልጠት ዘለዎ ሰራዊት ምፍጣሩ፤ ልኡኽቱኡ ብብቕዓት ንምፍፃም ዘኽእሎ ዓቕሚ ኣማዕቢሉ እዩ።
ብፍላይ ላዕለዎት መኮንናት ኣብቲ ዝተመደብሉ ዓውደ ስራሕ ዝሐሸ ስርዓት ኣሰራርሓ ብምዝርጋሕ ሰራዊት ዝለዓለ ቁመና ክህልዎ ብትኹረት ዝሰርሑዎ ዘለዉ ስራሕ ውፅኢቱ ዝለዓለ ክኸውን ይገብሮ።
እቲ ሰራዊት ኣብ ቀረባ እዋን ዘርአዮ ፍሉይ ብቕዓት ኢትዮጵያ ብወታደራዊ ዓቕማ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ከምዝበፅሐት ዘረጋግፅ ኮይኑ፤ ንፀላእታ እውን ኣሰቢዱ እዩ።
ላዕለዋይ ኢታማዡር ሹም ሓይሊታት ጦር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፤ ኣብ ምኽባር መበል 119 ዓመት በዓል መዓልቲሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ እውን ነዚ ዘረጋግፅ እዩ።
ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብ መልእኽቶም፤ “እቲ ሰራዊት ከፍርሱዎ ነዝሓሰቡ ዘፍርሶም እምበር ኣብ መቓብር ሰራዊት ምክልኻል እትምስርትዎ ስግግር መንግስቲ ኣይክህሉን” ኢሎም።
ንሰላም ኢድኩም ሃቡ፤ ፖለቲካን ስልጣንን እንተደሊኹም ተወዲብኩም ብሰላማዊ መንገዲ ተወዳደሩ። ምስ ጓኖት ብምዃን ብሓፂር መንገዲ ስልጣን ንምርካብ ምፍታን ከንቱ ባህጊ እዩ ብምባል፤ ብመገዲ ጫካ ፈቲንኩም ምስ ኣበየኩም ሰራዊት ምክልኻል ንምፍራስ ኣይትፅዓሩ፤ ሰራዊት ምክልኻል ናይ ፀላኢ ተንኮል የፍርስ እምበር ኣይፈርስን ክብሉ ኣረጋጊፆም።
እቲ ሰራዊት ንሃገር ዘኹርዕ ስራሕ ሰሪሑ እዩ፤ ሕዚ እውን ይሰርሕ ኣሎ። ኣብ ቀፃሊ እውን ሓላዊ ሓድነትን ሉኣላዊነትን ኢትዮጵያ ኮይኑ ብዝሓየለ ቆራፅነት ክቕፅል እዩ።
ሰራዊት ምክልኻል ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ብባሕሪ፣ ብምድሪን ብኣየርን፣ ኣብ ዝኾነ ቦታን እዋንን ዝተሓላለኹ ልኡኽቶታት ናይ ምፍፃም ዓቕሙ ኣጠናኺሩ እዩ። ፀላእቲ ኢትዮጵያ ነዚ ሓቂ ብግቡእ ተገንዚቦም ኣለዉ።