Fana: At a Speed of Life!

ፀገም መንበሪ ኣባይቲ ኢትዮጵያውያን ክፍታሕ ዘለዎ ዕላማ እዩ – ኣይተ ዮናስ ታደሰ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኦቪድ ግሩፕ ኣይተ ዮናስ ታደሰ ፀገም መንበሪ ኣባይቲ ኢትዮጵያውያን ክፍታሕ ዘለዎ ዕላማ እዩ ኢሎም፡፡

እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ምስ ፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ÷ ኦቪድ ግሩፕ ፀገም ገዛውቲ ኣብ ውሱን ከባቢታት ብዙሓት መንደር መንበሪ ኣባይቲ እናሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፁ፡፡

ትካሉም ብቐንዱ ኣብ ውሱን ቦታ ከከም ዓማዊሉ ድልየት ካብ ሓደ ክፍሊ ክሳብ ሓደ ኣፓርትመንት ብምህናፅ ንመሸጣ እናቕረበ ከምዝርከብ ኣረዲኦም፡፡

ኦቪድ ብፅርየትን ዲዛይናን ዝተመሓየሸ መነበሪ ኣባይቲ ይሃንፅ ኣሎ ዝበሉ እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ፤ በዚይ ድማ ኢትዮጵያውያን ተመጣጣኒ ዋጋ ወነንቲ ገዛውቲ ይገብሮም ከምዘሎን ገሊፆም።

ብፋላይ መናእሰይ ተረባሕቲ ኣብ ምግባር ካብ 850 ሽሕ ብር ጀሚሩ መጠነኛ መንበሪ ክፍልታት ንመሸጣ ንምቕራብ ምድላዋት ምዝዛሙ ኣረዲኦም።

ፀገም መንበሪ ኣባይቲ ኢትዮጵያውያን ክፍታሕ ዘለዎ ዕላማ እዩ ዝብሉ ኣይተ ዮናስ ታደሰ ነዙይ እውን ትካልና ኦቪድ ግሩፕ ብዘይዕረፍቲ እናሰርሐ ይርከብ ኢሎም፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.