ፃውዒት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
ኢትዮጵያ ብዙሕ በረከት ዘለዋ ሃገር እያ። ተፈጥሮ ዝዓደላ ሃፍቲን ምስ ሰብ ስራሕ ጥሪታ ተደሚሮም ምዕባለኣ ዘይተርፍ ምዃኑ ዝምስክሩ እዮም።
ቱሪዝም ካብቶም ንኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ካብ ዘለዉ ዓምዲታት ሓደ ኮይኑ ብሃገር በቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚ ፍሉይ ቦታ ተዋሂብዎ እዩ። እዚ ኣድማስ ኣረኣእያ ምስፋሕን ፀጋታትና ብኸመይ ከም እንርእዮም ምምሕያሽን ድማ ዘለና ሃፍቲ ብግቡእ ንምጥቃም ከም ዘኽእለና ይእመነሉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ “መንግስቲ መደመር” መፅሓፎም “ኢንዱስትሪ ኣብ ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራዊን ከባቢያዊን ኩነታት ሃገርና ልዑል ኣስተዋፅኦ ክህልዎ ንደሊ ኢና፡፡” ክብሉ ድሌት መንግስቶም ክሳብ ክንደይ ዝሰፍሐ ምዃኑ ይገልፁ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፣ ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ዝርከቡ መብፅሒታት ቱሪዝም ተፈልዮም፣ ነባራት ተመሓይሾም፣ ሓደሽቲ ድማ ተሃኒፆም እዮም። እዚ ፃዕሪ ንዝመፅእ ፅቡቕ ዕድል ናብ ጭቡጥ ረብሓ ንምልዋት ዝተወስደ ዓብዪ ስጉምቲ እዩ።
ይኹን እምበር ዕቤት ቱሪዝም ብመሰረተ ልምዓት ጥራይ ዝግለፅ ኣይኮነን። ዓለም እናተለወጠት ኣብ ትርከበሉ እዋን፤ ኢትዮጵያ ንዓለም ንምፍላጥን ምልላይን ሓላፍነት ናብ ሓዱሽ ወለዶ እናተሰጋገረ ይርከብ።
መናእሰይ ብሳይንስን ቴክኖሎጂን ብፍላይ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያን፣ ኪነ ጥበባትን ናይ ኣኒሜሽን ጥበብን ተጠቒሞም መልክዕ ኢትዮጵያ ንዓለም እናገለፁ ይርከቡ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ሎሚ ንኣባላት እዚ ሓዱሽ ወለዶ ንዘደንቕ ፅባቐ ብዙሕነት ኢትዮጵያ ክበፅሑን ክዕዘቡን ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ብፍላይ ኣብ መላእ ዓለም ተበቲኖም ዝርከቡ ካልኣይ ወለዶ ኢትዮጵያውያን፣ ናብ ሃገሮም እናተመለሱ ባህሎም፣ ታሪኾምን ሓድጎምን ብኣካል ዝፈልጡሉ ግዜ በፂሕና ኣለና። “Connect to your culture”፣ “Connect to your history” ከምኡውን “Live your legacy” ብዝብሉ መልእኽቲታት ብዝተፈላለዩ ዙራት ዝተኻየዱ ፃውዒታት፣ መናእሰይ ምስ መሰረቶምን ምስ ዝወፅኡላ መሬትን ዳግም ክራኸቡ ገይሮም እዮም።
መናእሰይ ነቲ ፃውዒት ተቐቢሎም በይኖም ጥፃ ኣይመፅኡን። ንኢትዮጵያ ብዝኾነ ቋንቋ ቴክኖሎጂ ንማሕበረሰብ ዓለም ዘላልዩ ኣምባሳደራት እውን ኮይኖምላ እዮም።
ኣብ ሓዱሽ ዓመት ብዙሓት ካልኣይ ወለዶ ኣባላት ናብ ኢትዮጵያ ክመፅኡ ትፅቢት ይግበር።
እዚ ዕድል ክልተ ምስሊ ኣለዎ። ቀዳማይ፣ እዞም መናእሰይ ሃገሮም ብዓይኖም ሪኦም፣ ሓድጊታታ ክድህስሱ፣ ከምኡ እውን ምስ መሰረቶም ዝሓየለ ርክብ ክፈጥሩ ዕድል ምርካቦም እዩ።
ካልኣይ፣ እዚ ወለዶ ካብ ዘለዎ ብቕዓት ቴክኖሎጂን ዓለም ለኸ ርክብን ብምብጋስ፣ ነቲ ዝተዓዘቦ ፅባቐን ትውፊትን ናብ ዲጂታላዊ ትሕዝቶ ብምልዋጥ ንማሕበረሰብ ዓለም ከመሓላልፎ ምኽኣሉ እዩ።
ኢትዮጵያ ብተፈጥሮ፣ ብታሪኽን ብባህሊን ዝሃፍተመት ሃገር እኳ እንተኾነት፣ ነዚ ሃፍቲ ንዓለም ብዝስሕብ መገዲ ናይ ምብፃሕ ስራሕ ገና ብዙሕ ይተርፎ እዩ።
ምስፍሕፋሕ መሰረተ ልምዓት ቱሪዝምን ምምላስ ካልኣይ ወለዶን ጥራሕ እኹል ኣይኮነን፤ ብሳይንስን ቴክኖሎጂን ዝተደገፈ ያታ የድሊ። ኣኒሜሽን፣ ዲጂታላዊ ትሕዝቶታትን ኣብ መድረኻት ማሕበራዊ ሚዲያ ዝቐርቡ ሰሓብቲ ዛንታታትን፣ ንኢትዮጵያ ካብ ቀደም ብዝተፈልየ ቅልጣፈን ስፍሓትን ንዓለም ከላልዩ ይኽእሉ።
በዚ መገዲ ሓድጊ፣ ወለዶን ቴክኖሎጂን ተዋሂዶም፣ ኢትዮጵያ ንደቃ ኮነ ንማሕበረሰብ ዓለም ብሓዱሽ መገዲ እትፍለጠሉ ዘበን ጀሚሩ ኣሎ። ሓዱሽ ዓመት ድማ ነዚ ርክብ ንምጥንኻር ልዑል ዕድል ሒዙ ክመፅእ እዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።
ብኣፈወርቅ እያዩ