Fana: At a Speed of Life!

ፅባሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝካየድ ሰላማዊ ሰልፊ ዝዕፀዉ መገዲታት ዕላዊ ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፅባሕ ዝካየድ ሰልፊ ተጀሚሩ ክሳብ ዝዛዘም ናብ መስቀል ኣደባባይ ዝወስዱ መገዲታት ንተሽከርከርቲ ከምዝዕፀዉ ዋና ላዕለዋይ መምርሒ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ኣብ ክልል ትግራይ እናተበኣኣሰ ዝመፅአ ቅልውላው ንምቅዋምን ጠጠው ንምባልን ከምኡ እውን ንመንግስቲ ፌደራልን ዓለም ለኸ ማሕበረሰብን ንምፍላጥ ”ግፋ ጠጠው ይበል ሰላም ይዕሰል” ብዝብል መሪሕ ቃል 11 ሓምለ 2018 ዓ.ም ካብ ወጋሕታ ሰዓት 12:00 ጀሚሩ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ሰላማዊ ሰልፊ ክካየድ ኢዩ።

እቲ ሰልፊ ተጀሚሩ ክሳብ ዝዛዘም ናብ መስቀል ኣደባባይ ዝወስዱ መገዲታት ንተሽከርከርቲ ክዕፀዉ ኢዮም።

ብመሰረት እዚ:-

👉 ካብ መገናኛ ብ22 ኣደባባይ ናብ መስቀል ኣደባባይ ኣብ ቅ/ኡራኤል ኣደባባይ
👉 ካብ ቦሌ መገዲ ናብ መስቀል ኣደባባ ኣብ ኦሎምፒያ ኣደባባይ
👉 ካብ ጎተራ ናብ መስቀል ኣደባባይ ንከበድቲ ተሽከርከርቲ ኣብ ኣጎና ሲኒማ መስቀለኛ ንቀለልቲ ተሽከርከርቲ ኣብ ጥላሁን ኣደባባይ
👉 ካብ ሜክሲኮ ኣደባባይ ናብ መስቀል ኣደባባይ ኣብ ለገሃር መብራት
👉 ካብ ለገሃር ቴሌ መቋረፂ ናብ ስታዲዮም ኣብ ለገሃር ቴሌ መቋረፂ
👉 ካብ ኣራት ኪሎ ናብ መሰቀል ኣደባባይ ኣብ ብሄራዊ ቤተ-መንግስቲ
👉 ካብ ካሳንቺስ ብመቅረዝ ሆስፒታል ናብ መስቀል ኣደባባይ ኣብ ጥቓ መቅረዝ ሆስፒታል
👉 ካብ ኣምባሳደር ቴኣትር ናብ መስቀል ኣደባባይ ኣብ ሃራምቤ መብራት ዝወስዱ መገዲታት ካብ መጋሕታ 11:00 ሰዓት ጀሚሩ እቲ ፕሮግራም ክሳብ ዝዛዘም መገዲታት ንተሽከርከርቲ ክዕፀዉ ኢዮም።

ካብ 10 ሓምለ 2018 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ከባቢ መስቀል ኣደባባይን ከባቢኡ መገዲታት ካብ ምሸት ሰዓት 12፡00 ጀሚሩ ተሽከርከርቲ ንሓፂር ይኹን ነዊሕ ሰዓት ጠጠው ምባል ክልኩል ከምዝኾነ ዋና ላዕለዋይ መምርሒ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.