Fana: At a Speed of Life!

ፋይዳ መለለዪ መንነት ንግልጋሎት ፓስፖርት ቅድመ ኩነታት ክኸውን እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢሚግሬሽንን ግልጋሎትን ዜግነትን ፓስፖርት ፋይዳ መለለዪ መንነት ቅድመ ኩነታት ብምቕማጥ ምስ ፕሮግራም ብሄራዊ መንነት ብምትሕብባር ንምስራሕ ኣብ ስምምዕነት በፂሑ፡፡

ኢሚግሬሽንን ግልጋሎትን ዜግነትን ዝጀመሮም ስራሕቲ ሪፎርም ብምጥንኻር ካብ 1 ሰነ 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ፋይዳ መለለዪ መንነት ንኣወሃህባ ግልጋሎት ፓስፖርት ቅድመ ኩነታት ንምግባር እናተሰርሐ ምፅንሑ ገሊፁ፡፡

ኣወሃህባ እቲ ግልጋሎት ብተወሳኺ ቅድመ ኩነታት ብምግባር ኣብቲ ዓውዲ ዝህቡ ግልጋሎታት ደሕንነቶም ዝተሓለወን ተበፃሕነት ንምግባርን ምስ ፕሮግራም ዲጂታል መለለዩ ምንነት ብምትሕብባር ንምስራሕ ተስማዕሚዑ፡፡

እዙይ ማንነት ብምጭብርባር ዝተፈላለዩ ሰነዳት ንምርካብ ዝግበር ምንቅስቓሳት ንምዕጋት ዘኽእል ምዃኑ ተገሊፁ፡፡

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.