Fana: At a Speed of Life!

ፍሉጥ ዩቲዩበር ኣይሾው ስፒድ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮ ፃንሒት…

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዩቲዩብ ቻናሉ ልዕሊ 48 ነጥቢ 6 ሚሊየን ተኸታተልቲ ዘለዎ ፍሉጥ ኣሜሪካዊ ዩቲዩበር ዳረን ዋትኪንስ ጁኒየር (ኣይሾው ስፒድ) ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ዑደት ኣካይዶም።

ወዲ 21 ዓመት ዩቲዩበር ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣዲስ ኣበባ ብምዝውዋር ዑደት ዝገበረ እንትኸውን÷ ብቐጥታ ፈነወ ዘመሓላለፎ ዑደት ልዕሊ 260 ሺሕ ሰባት ብቐጥታ ተመልኪቶምዎ ከምኡ እውን ሕዚ ድማ ቁፅሪ ተመልከትቱ  9 ነጥቢ 9 ሚሊየን ተሳጊሩ።

ኣይሾው ስፒድ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት፡-

👉 ኣብ ኣዲስ ኣበባ እንትበፅሕ ሚኒስትር ቱሪዝም ሰላማዊት ካሳ ኣቀባብላ ገይረናሉ
👉 ኣብ ሙዚየም ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ብባዶ እግሩ ዑደት ገይሩ
👉 ዝተፈላለዩ ባህላዊ ሳዕስዒታት ክፍትን ክኢሉ
👉 ጥረ ስጋ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ባህላዊ ምግቢታት ተመጊቡ
👉 ብኣሰናዳእነት ፌዴሬሽን ባህልን ስፖርን ኢትዮጵያ ባህላዊ ፀወታ ልደት (የገና ጨዋታ) ተፃዊቱ
👉 ባህላዊ መሳርሒ ሙዚቃ ኢትዮጵያ ዝኾነ ጭራዋጣ ተፃዊቱ
👉 ምስ ሓሙሽቲአን ኣሕዋት ኣትሌታት (ስድራ ዲባባ) ተራኺቡ

👉 ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተሰርሑ ልምዓት ኮሪደርን ፓርክታትን ተዘዋዊሩ ተመልኪቱ
👉 ኣብ ውድድር ቁንጅና ሚስ ወርልድ 2025 ካብ ኣፍሪካ 1ይቲ ካብ ዓለም 2ይቲ ዝወፅአት ሃሴት ደረጄ ዝገበሮ ፃንሒት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተሰርሐ ሌዘር ጃኬት ህያብ ተበርኪቱሉ
👉 ኣብታ ከተማ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ምፅባቕ ከተማ ንዓለም ኣፋሊጡ
👉 ባህሊ ምቕባል ጋሻ ኢትዮጵያውያን ብሚሊየን ንዝቑፀሩ ተኸታተልቱ ኣርኢዩ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.