Fana: At a Speed of Life!

ፕረዚደንት ታየ ኣፅቀ ስላሴ ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ታይላንድ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕረዚደንት ታየ ኣፅቀ ስላሴ ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢን ታይላንድ ሲሓሳክ ፉዋንግኬትክየው ተዛቲዮም።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ታይላንድ ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ከምኡ እውን ንታሪኻዊ “ተበግሶ ታይላንድ–ኣፍሪካ” ብዕሊ ንምጅማርን ሎሚ መዓልቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣተዉ ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ታየ ኣፅቀ ስላሴ ምስቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ኣብ ቤተ መንግስቲ ተቐቢሎም ተዛቲዮም።

ኣብ ዘካየድዎ ዘተ ድማ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ታይላንድን እናዓበየ ዝመፅአ ክልተኣዊ ዝምድና ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምስግጋር ክሕግዙ ዝኽእሉ ጉዳያት ኣልዒሎም።

እቲ ዘተ ንክልተኣዊ ዝምድናን ምትሕብባርን ከምኡ እውን ንሓባራዊ ረብሓን ኣብ ዝበለፀ ደረጃ ንምምዕባል ዘለዎም ውፉይነት ዘርኢ እዩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.