Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ስሎቬኒያ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረን ዑደት ዛዚመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ስሎቬኒያ ናታሻ ፒሪክ ሙሳር ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረን ዕላዊ ዑደት ስራሕ ዛዚመን ናብ ሃገረን ተመሊሰን፡፡

ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ አፅቀ ስላሰ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ተረኺቦም ስኒት ገይሮምለን፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረን ፃንሒት ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ንፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሰን ዲፕሎማስያዊ ርክብ እተን ሃገራት ንምጥንኻር ዝሕግዙ ስራሕቲ ምስራሕ ኣብ ዝኽኣልሎም ዓውዲታት ዘትዮም፡፡

ምስ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣብ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ኣብ ዝነበሮም ዘተ፤ ኢትዮጵያን ስሎቬኒያን ኣብ ዓውድታት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስን ሳይንስ ህዋን ብሓባር ንምስራሕ ቆራፅነተን ኣረጋጊፀን።

እተን ፕሬዚደንት ኣብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ሕቁፊ ዕንበባ ብምንባር፤ ምስ ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ብምዃን ኣብ ዘመናዊ ምህርቲ ንህቢ ምፍራይ መርሃ ግብሪ ሰሪሕካ ምርኣይ ምክያደን ይዝኸር፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበረኦ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ኣብ ንግድን ኢንቨስትመንትን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ክልተኣዊ ምትሕብባር ኣብ ምሕያል ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ ብምግላፅ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

Website www.fanamc.com/tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.