ፕሬዚዳንት ስሎቬኒ ናታሻ ፒርስ ኣብ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ሕቁፊ ዕንበባ ኣንቢረን
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ፕሬዚዳንት ስሎቬኒ ናታሻ ፒርስ ኣብ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ዑደት ገይረን፡፡
እተን ፕሬዚደንት ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ትማሊ ምሸት ኣዲስ ኣበባ ምብፀሐን ተገሊፁ፡፡
ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች አቤቤ ሎሚ ነተን ፕሬዚዳንት ተቐቢለን መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ኣርእየንአን፡፡
እተን ፕሬዚዳንት ኣብ ፃንሒተን ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ተራኺን ርክብ ክልቲአን ሃገራት ንምጥንኻር ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ዘተ ከካይዳ እየተ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር፡፡
ብግዛቸው ግርማዬ
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
Website www.fanamc.com/tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana