Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ምስ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴን ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ ኣብ ሃገራዊ፣ ዞባዊን ዓለም ለኻዊ ጉዳያት ተዛቲዮም፡፡

ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ኢትዮጵያ ኣብ ሃገራዊን ዞባዊን ሰላምን ልምዓትን ብዙሓት ስራሕቲ እናወገነ ከምትርከብ ብምግላፅ፤ ከይዲ ሃገራዊ ምኽክር ብዕዉት ኩነታት እናቐፀለ ከምዝርከብ ነቶም ዋና ፀሓፊ ገሊፆምሎም።

ዋና ፀሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ፀገማት ብዘላቕነት ንምፍታሕ ብሄራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ዝጀመረቶ ሃገራዊ ምኽክር ኣብ ፅቡቕ ከይዲ ምዃኑ ዝበረታታዕ ኢዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ንሰላምን ልምዓትን እቲ ዞባ ዕዙዝ ግደ እናበርከተት ከምዝኾነት ብምግላፅ ንኢዶም፡፡

ካብ ሃገር ሓሊፉ ኣብ ዞባዊን ዓለም ለኻኻ ጉዳያት ምስ ሕቡራት መንግስታት ዘለዋ ታሪኻዊ ምትሕብባር ዝነኣድ ከምዝኾነ እውን ኣልዒሎም።

ኢትዮጵያን ሕቡራት መንግስታትን ኣብ በዓል ብዙሕ ወገን መድረኻት ዘለዋ ምትሕብባር ኣብ ቀፃሊ እውን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ኣልዒሎም፡፡

ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ፥ ኢትዮጵያ ምስ ሕቡራት መንግስታት ዘለዋ ዓለም ለኻዊ ምትሕብባር ታሪኻዊን ብብዙሕ መልክዑ ዝግለፅን ከምዝኾነ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.