ፕሮጀክትታት ናይ ምዝዛም ቁርፀኝነት ዝረኣየሉ ግድብ መስኖ መገጭ…
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሮጀክት ግድብ መስኖ መገጭ ናይ መንግስቲ ፕሮጀክትታት ናብ ፍፃመ ናይ ምብቃዕ ቁርፀኝነት ብዘርእይ መገዲ ይካየድ ኣሎ።
ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዝተዛተዩ ሞያተኛታት ሚዲያ ህዝብን ውልቀን ከምኡወን ሞያተኛታት ርክብ ህዝቢ ኣብቲ ግድብ ዑደት ኣካይዶም።
ሚኒስትር ዴኤታ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ከበደ ዴሲሳ ንፋና ዲጂታል ከምዝበልዎ፥ መንግስቲ ዝተፈላለዩ ፈተናታት ብምፅዋር ነህዝቢ ተረባሒ ዝገብሩ ፕሮጀክትታት ብምዝዛም ንኣገልግሎት የብቅዕ ኣሎ።
ሓደሽቲን ቅድም ኢሎም ተጀሚሮም ዝጓተቱ ዝነበሩን ፕሮጀክትታት ብፍሉይ ጠመተ ፅርየትን ቅልጣፈን ንክዛዘሙ ይግበር ከምዘሎ ገሊፆም።
ካብ መንጎ ቅድሚ ዓመታት ተጀሚሮም እንትጓተቱ ዝነበሩ ፕሮጀክትታት ቅድሚ 17 ዓመት ሀንፀቱ ዝተጀመሩ ግድብ መስኖ መገጭ ይርቋሕ።
እቲ ፕሮጀክት ኣብ ሓፂር እዋን ተዛዚሙ ናብ ኣገልግሎት ንክኣቱ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣቢይ(ዶ/ር) ብመሰረት ዝሃብዎ ኣንፈት ብቕልጡፍ ይስራሕ ከምዘሎ እቶም ሚኒስትር ዴኤታ ተዛሪቦም።
ብኣቢይ ጌታሁን
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!