ቀንዲ ተግባራት ወርሒ ሓምለን ነሓሰን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) እንትቃነ
ቀንዲ ተግባራት ወርሒ ሓምለን ነሓሰን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) እንትቃነ
መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓንቲ ፀሓይ፦
መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሻምናይ ዓመቱ ኣብ ዝሓዘሉ ዓመት፤ ኣካቢ ኮፕ32 (COP32) ዝኾኑ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፣ ቀዳመይቲ እመቤት ዝናሽ ታያቸውን ኣባላት ሃገራዊ መተሓባበሪ ኮሚቴ ኮፕ32ን ኣብ ዝተረኽቡሉ ዓመታዊን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ወፍሪ ሓንቲ ፀሓይ መሪሖም።
እቲ ወፍሪ ኣብ መላእ ሃገር ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 800 ሚልዮን ፈልሲ ንምትካል ዝዓለመ ዓብዪ ሸቶ ዝሓዘ እዩ ነይሩ። በዚ ድማ ካብ ዝተቐመጠ ትልሚ ንላዕሊ ብምፍፃም ዓወት ዝተመዝገበሉ ወፍሪ ንይሩ።
እዚ ፃዕሪፃብ መላእ እዛ ሃገር ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ብሓባር ዝተኻየደ እንትኸውን፤ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር እውን ድማ ተሳተፍቲ ታሪኻዊ፣ ሓድነትን ፅንዓትን ዓወትን ከም ዘመዝገቡ ብምግላፅ ንኹሎም ምስጋናኦም ኣቕሪቦም።
ትዕዝብቲን ምረቓን ፕሮጀክታትን፦
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ባሕር ዳር ዝርከብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ደጃዝማች በላይ ዘለቀ ሓድሽ ተርሚናል መሪቖም ከፊቶምዎ። እዚ ፕሮጀክት ንኢትዮጵያ ቁልፊ ካብ ዝኾኑ መእተዊ በሪታት ሓደ ምዃኑ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እታ ከተማ ኣብ ቀረባ እዋን ዘጋጠሙዋ ብድሆታት ከይተበደሀት መርኣያ ፅንዓት፣ ምፅዋርን ማእኸል ቀፀሸሊ ኢንቨስትመንትን ምዃና ኣገንዚቦም።
እቲ ሓዱሽ ተርሚናል ዘበናዊ መሰረተ ልማት መዕርፎ ነፈርቲ፣ ዝተመሓየሹ መገድታት መብፅሒን ሰፊሕ ኣገልግሎታትን ዘጠቓልል ኮይኑ፤ ዓቕሚ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ንምስፋሕን ምቾት ተጓዓዝቲ ንምምሕያሽን ዝሕግዝ እንትኸውም፤ እዚ ድማ ምስቲ ኣብ ከተማ ባህር ዳር ዝካየድ ዘሎ ሰፊሕ ለውጢ ከተማ ተደሚሩ ንባህር ዳር ንዓለም ለኸን ውሽጣዊን በረራታት ማእኸል ንኽትከውን ዘኽእላ እዩ።
ማሕበራዊ ጉዳይ፡-
ብኻልእ መዳይ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ኦሮሚያ ብሮድካስቲንግ ኔትወርክ (OBN) ቃለ መሕትት ዝገበሩ እንትኾኑ፤ ኣብ ፃንሒቶም ድማ ኣብ ኦሮሚያ፣ ኣምሓራን ትግራይን ዝንቀሳቐሱ ጉጅለ ዕጡቓት ካብ ሃገራዊ ረብሓ ንላዕሊ ውልቃዊ ረብሓ ዘቐድሙ ምዃኖምን በይኖም ንመንግስቲ ክስዕሩ ከምዘይክእሉን ምስ ተገንዘቡ ሓበራዊ ምሕዝነት ከምዝፈጠሩ ገሊፆም።
ካብዚ ብተወሳኺ ግዚኡ ዝሓለፎ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባን ሜላ ኣመራርሓን እዞም ጉጅለታት ንኢትዮጵያ ንምድኻምን ንምብትታንን ምስ ዝደልዩ ታሪኻዊ ፀላእቲ ወፃኢ ከም መጥቀሚ መሳርሒ እናገልገሉ ምህላዎም ዘርኢ ታሪኻዊ ጌጋ ከምዝፈፀሙ ኣብሪሆም። ኣተሓሒዞም ድማ ሓቀኛ ዲሞክራሲ ካብ ታራ ፖለቲካዊ ግልፅነት ሓሊፉ ልዕልና ሕጊ ዘረጋግፅ ናብ ሓቀኛ ሃገራዊ ዘተ ክሰጋገር ከምዘለዎ ኣፅንኦት ሂቦም።