Fana: At a Speed of Life!
Monthly Archives

January 2022

ህዝብና ፍልፍል ጅግንነትና ኢዩ – ጀነራል ባጫ ደበሌ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)”ህዝብና ፍልፍል ጅግንነትና ኢዩ” ክብሉ ዋና ኣተሓባባሪ ህንፀት ሰራዊት ሚኒስቴር ምክልኻል ጀነራል ባጫ ደበሌ ገሊፆም። “ምስ ህዝብና ኮይንና ናብ ኣዲስ ኣበባ ከኣቱ ኢየ ኢሉ እናፈከረ ዝነበረ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ኣብ ዝወረሮ መሬት ንኽቕበር ገይርናዮ”…

ካልኣይ ውድድር ሽልማት ብሩጀህ ሓሳብ ፈጠራ ንግዲ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ብዝተገበረ ሃገር ለኸ ፃውዒት  እናተኻየደ ዝነበረ ውድድርን ስልጠናን ተዛዚሙ ካብ ሞንጎ ዝተመዝገቡ 462 ሓሳባት እቶም 30 ንሽልማት በቒዖም። እቲ ሽልማት ዘበርከታ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል፥…

ሃገራት ኣፍሪካ ብዛዕባ ዝርገሐ ኣሚክሮን ሓበሬታ ምቕራብ ብዘይምኽኣለን ብዛዕባ ኩነታት ዝርገሐ ንምግላፅ ኣፀጋሚ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራት ኣፍሪካ ብዛዕባ ዝርገሐ ኣሚክሮን ቫይረስ ኮሮና ሓበሬታ ከቕርባ ብዘይምኽኣለን ኩነታት ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ንምግላፅ ኣፀጋሚ ከምዝገበሮ ማእኸል ቁፅፅር ሕማማት ኣፍሪካ (ሲዲሲ) ገሊፁ። ዳይሬክተር ሲዲሲ ዝኾና ዶክተር ጆን ንከንጋሶንግ ከምዝበለኦ፥…

ብከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ዝተመርሐ ልኡኽ ናብ ከተማ ጅግጅጋ ኣትዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብከንቲባ ምመሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ዝተመርሐ ልኡኽ ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ምምሕዳር ናብ ከተማ ጅግጅጋ ኣትዩ። እቲ ልኡኽ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ጋራድ ዊልዋል እንትበፅሕ፥ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ኣይተ ሙስጠፌ መሓመድ፣ ምክትል…

ብሓደጋ ድርቂ ጉድኣት ዝበፅሖም ዜጋታት ቅልጡፍ ምላሽ ሓገዝ ንመሃብ ዘኽእሉ ስራሕቲ ብትኹረት ምስራሕ ይግባእ – ኣይተ ደመቀ መኮንን

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ብዝረአ ሓደጋ ድርቂ ጉድኣት ዝበፅሖም ዜጋታት ቅልጡፍ ምላሽ ሓገዝ ንመሃብ ዘኽእሉ ስራሕቲ ብትኹረት ምስራሕ ከምዝግባእ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣገንዚቦም። ኮሚቴ ብሄራዊ…

ምምሕዳር ከተማ ባሕርዳር ልዕሊ ብር 110 ሚሊየን ዘውፅእ ናይ ዓይነት ድጋፍ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ ባሕርዳር ካብ ነበርቲ እታ ከተማ፣ማሕበረሰብ ንግዲ፤ ካብ ሰብ ሃፍቲን ካብ ዝተፈላለዩ ክፍላት ማሕበረሰብን ዘተኣኻከቦ ልዕሊ ብር 110 ሚሊየን ዘውፅእ ምግብን ዝተፈላለዩ ኣልባሳትን በቲ ኩናት ንዝተመዛበሉን ሃፍቲን ንብረቶምን ንዝዓነዎም…

ኣብ ጎንደር በዓል ጥምቀት ብስላም ንክኽበር ሕብረተሰብ ዘሳተፈ ስራሕቲ ፀጥታ ይካየድ ኣሎ – ፖሊስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ጎንደር በዓል ጥምቀት ብስላም ንክኽበር ሕብረተሰብ ዘሳተፈ ስራሕቲ ፀጥታ እናተኻየደ ከምዝርከብ መምርሒ ፖሊስ እታ ከተማ ኣፍሊጡ። በዓል ጥምቀት ኣብ ዩኒስኮ ዝተመዝገቡ ዘይድህሰሱ ሓድግታት እቲ ሓደ እንትኸውን÷ እዚ በዓል ኣብ ከተማ ጎንደር…

ብርእሰ ምምሕዳር ርስቱ ይርዳ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ልምዓት መስኖ ስርናይ ዑደት ይገብር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብርእሰ መምሕዳር ክልል ደቡብ ኣይተ ርስቱ ይርዳ ዝተመርሐ ልኡኽ ላዕለዎት ኣመራርሓታት ኣብ ዞባታት ጋሞን ወላይታን እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ልምዓት መስኖ ስርናይ ዑደት ይገብር ኣሎ። ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዑደት ኣይተ ርስቱ ይርዳ ሓዊሱ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት…

ኢትዮጵያ ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ደምቢ ስነ-ምግባር እቲ ትካል ብምጥሓስ እናፈፀሙዎ ዝርከቡ ኣድልዎ ክምርምረላ ንቦርድ ፈፃሚ ስራሕ እቲ ትካል ሓቲታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣባል ግብረ ራዕዲ ህወሓትን ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለምን ዝኾኑ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ደምቢ ስነ-ምግባር እቲ ትካል ብምጥሓስ እናፈፀሙዎ ዝርከቡ ኣድልዎ ቦርድ ፈፃሚ ስራሕ እቲ ትካል ንክምርምረላ ሓቲታ። ኢትዮጵያ ናብቲ ቦርድ ኣብ…

ምጥቋም ሕፁያት ኮሚሽነራት ክሳብ 13 ጥሪ ተናዊሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምጥቋም ሕፁያት ኮሚሽነራት ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ክሳብ 13 ጥሪ 2014 ዓ.ም ከምዝተናወሐ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ። እቲ ባይቶ መጣየሺ ኣዋጅ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ቁፅሪ 1265/2014 ዓ.ም ምፅዳቑ ዝዝከር እንትኸውን፥…