Fana: At a Speed of Life!
Monthly Archives

April 2025

ኢትዮጵያ ኣብ 2050 ልቀት ካርበን ዜሮ ንምብፃሕ ዘኽእሉ ስራሕቲ ተካይድ ኣላ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ለውጢ ከባቢ ኣየር ንምክልኻል ኣብ 2050 ልቀት ካርበን ዜሮ ንምብፃሕ ተሊማ ጠመተ ሂባ እናሰርሐት ምዃኑ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ጉባኤ ቬይትናም 2025 ፒ4ጂ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ÷…

ኣብ ቬይትናም ዝተኻየደ ዕላዊ ዑደት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ምትሕብባር ንምጥንኻር ስምምዕነት ተገይሩ – ጌዲዮን ጢሞቲዮስ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ቬትናም ዝተኻየደ ዕላዊ ዑደት ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ፣ ኢኮኖሚ፣ ንግድን ኢንቨስትመንት ርክበን ንምጥንኻር ዝኽግዙ ስምምዕነት ምክያዶም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዮስ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡ እቶም ሚኒስተር ኣብ ቬይትናም ኣብ…

ማክሮ ኢኮኖሚ ምምሕያሽ ንዓውዲ ኢንቨስትመንት ዓብዪ ዕድል ዝከፈተ እዩ – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ማክሮ ኢኮኖሚ ምምሕያሽ ንዓውዲ ኢንቨስትመንት ዓብዪ ዕድል ዝከፈተ ምዃኑ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም፡፡ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚድይኦም÷ ሎሚ ኣብ ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ተረኺቦም ስራሕቲ…

ኣምባሳደር ብርሃኑ ፀጋዬ ካብ መንግስቲ ጅቡቲ ሽልማት ሜዳሊያ ተበርኪቱሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ብርሃኑ ፀጋዬ ብኣምባሳደርነት ዘገልገልሉ ‘ጁን 27 ኦፊሰር ዳንስ ላሬድ’ ዝተብሃለ ናይታ ሃገር ዲፕሎማሲ ናይ ክብሪ ሜዳሊያ ካብ መንግስቲ ጅቡቲ ተቐቢሎም፡፡ ኣምባሳደር ብርሃኑ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ጅቡቲ ዘሎ…

ፕሬዚዳንት ታዬ አፅቀ ስላሴ ምስ ዋና ዳይሬክተር ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ፕሮጀክት ሕቡራት መንግስታት ዘትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ፕሬዚዳንት ታዬ አፅቀ ስላሴ ምስ ዋና ዳይሬክተር ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ፕሮጀክት ሕቡራት መንግስታት ጆርጅ ሞሪኤራ ዳ ሲልቫ ዘትዮም። ፕሬዚዳንት ታዬ አፅቀ ስላሴ ኣብቲ እዋን÷ እቲ ቤት ፅሕፈት መንግስቲ ኣብ ዝፍፀሙ ዝተፈላለዩ ኣሰራርሓታት…

ውፅኢት ብሄራዊ ባንኪ ዘካየዶ ጨረታ ሸርፊ ወፃኢ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ውፅኢት ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ሎሚ ዘካየዶ ጨረታ ሸርፊ ወፃኢ ዕላዊ ኮይኑ፡፡ ከይዲ እቲ ጨረታ 26 ባንክታት ዝተሳተፉ እንትኸውን፥ በዙይ እውን ሸርፊ ወፃኢ ንሓደ ዶላር ኣሜሪካ ማእኸላይ 131 ነጥቢ 4961 ብር ኮይኑ ምምዝጋቡ ተገሊፁ።…

ዝፍጠሩ ዕድላትን ስግኣታትን ብምምዛን ረብሓ ሃገር ንምዕባይ ምስራሕ ከምዝግባእ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢን ተፀዋዕቲ ትካላትን ኣብ 2017 በጀት ዓመት ናይ ትሽዓተ ኣዋርሕ ሃገራዊ ኣፈፃፅማ ትልሚ ፀብፃብ ቀሪቡ ዘተ ተካይዱ፡፡ ኣብቲ መድረኽ ፀብፃብ ዘቕረቡ ዋና ዳይሬክተር ግልጋሎት ዲያስፖራ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ፍፁም ኣሰፋ÷…

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ን446 ዓቕመ ደካማን ተለዓልቲ ልምዓትን መንበሪ ኣባይቲ ኣመሓላሊፈን

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ በዓል ፋሲካ ምኽንያት ብምግባር ን446 ዓቕመ ደካማን ተለዓልቲ ልምዓትን መንበሪ ኣባይቲ ኣመሓላሊፈን፡፡ ከንቲባ ኣዳነች ኣብ ክፍለ ከተማ ቦሌ ከባቢ 22 ዝተሃነፀ በዓል ኣርባዕተ ደብሪ ህንፃ ብዓል ፋሲካ…

ኢትዮጵያን ፓኪስታንን ኣብ ዓውዲ ሰላምን ድሕንነትን ብምትሕብባር ንምስራሕ ዘትየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ፓኪስታን ጀማል በከር (ዶ/ር) ምስ ውሽጢ ሃገር ምቁፅፃር መዐወኒ ሓሽሽ ሚኒስትር ፓኪስታን ሰይድ ሞሀሲን ናክቪ ዘትዮም፡፡ ኣብ ዘትኦም ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት በዓል ብዙሕ ወገን ምትሕብባረን ንምዕባይ ኣብ…

ኣብ ክልል ትግራይ ተቛሪፁ ዝፀንሐ ተሃድሶን መሊስካ ምጥያሽን ነበር ዕጡቓት ዳግማይ ስልጠና ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ክልል ትግራይ ተቛሪፁ ዝፀንሐ ተሃድሶን መሊስካ ምጥያሽን ነበር ዕጡቓት ዳግማይ ስልጠና ጀሚሩ፡፡ ሕብረት ኣፍሪካን ትካላት ዓለም ለኸ ተዓዘብቲን ተወከልቲን ንነበር ዕጡቓት ክልል ትግራይ ዝውሃብ ተሃድሶን መሊስካ ምጥያሽን ከይዲ ስልጠና…