Fana: At a Speed of Life!

ተፈጥሮኣዊን ሰብ ስራሕን ዱኽዒ ሓዋዊስካ ምጥቃም መፍረያይነት ከምዘደንፍዕ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝቕፅል እዋን ክረምቲ ተፈጥሮኣዊ ዱኽዒ ምስ ሰብ ስራሕ ዱኽዒ ሓዋዊስካ ብምጥቃም መፍረያይነት ምዕባይ ከምዝግባእ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣገንዚቡ፡፡

ኣብቲ ሚኒስቴር መሪሕ ፈፃሚ ስራሕ ልምዓት ሃፍቲ ሓመድ ሊሬ ኣብዬ ከምዝበሉዎ፤ ኣብ ተፈጥሮኣዊ ዱኽዒ ዝተሰርሐ ስራሕ ፍርያትን መፍረያይነትን ካብ ምውሳኹ ብተወሳኺ ባእታታት ዝሰኣኑ መሬታት ናብ ዝነበሩዎ ልሙዕነቶም ዝምልስ ኢዩ፡፡

ናይ ተፈጥሮ ዱኽዒ ምስ ኬሚካል ዱኽዒ ብምሕዋስ ምጥቃም ካብ እዋን ናብ እዋን እናተዳኸመ ዝመፅአ ልሙዕነት ሓመድ ናብ ዝነበሮ ክምልስ ከምዝኽእል እውን ኣረጋጊፆም፡፡

ምስዚ ተተሓሒዙ ትካሎም ቨርኒ ኮምፖስት ብምጥቃም ዕዉታት ተግባራት እናወገነ ከምዝርከብ ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ገሊፆም፡፡

ብፀጋዬ ንጉስ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.