ኢትዮጵያ ካብ በሪ ባሕሪ ነጺልካ ምፅናሕ ኣይከኣልን – ኣይተ ኣባዱላ ገመዳ
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2019 ዓ.ም (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ካብ በሪ ባሕሪ ነፂልካ ክትፀንሕ ምግባር ኣይከኣልን ኢሎም ነበር ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ኣባዱላ ገመዳ።
ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ክትስእን ዝተገብረት ዝኾነ ዓይነት ዘተ ከይተኻየደሉ ብውሑዳት ውልቀ ሰባት ዝተወሰነ ከምዝኾነ እውን ኣዘኻኺሮም።
ታሪኻዊ ፀላእቲ ኢትዮጵያ ንዘበናት ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ንኽትስእን እኩይ ሽርሒ እናፈፀሙ ከምዝፀንሑ ተዛሪቦም።
እዞም ታሪኻዊ ፀላእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውደ ውግእ ብተደጋጋሚ ብዝገበርዎ ፈተነ ክስዕሩ ከምዘይኽእሉ ምስተረድኡ ናይ ውሽጢ ባንዳ ብምፍጣር ተጠቒሞምሉ እዮም ክብሉ ገሊፆም።
ነዚ ከም መርኣያ ብምፅራሕ ኣብ ድሕሪ ምስረታ ሻዕቢያን ሕወሓትን ናይ ግብፂ ኢድ ከምዝነበረ ኣልዒሎም።
ታሪኻዊ ፀላእቲ ኣብ ውሽጥና ዝፈጠርዎም ሓይልታት ሃገራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ብቐሊሉ ክሕለፍን ክወሃብን ገይሮም እዮም ክብሉ ገሊፆም።
ኣብ ጉዳይ በሪ ባሕሪ ዝገበርናዮምን ዝተረዳዳእናሎምን ብሕጋዊ መድረኽ ዘተ ተኻይዱሎም ዝተወሰነ ውሳነ የለን እውን ኢሎም።
እዞም ጉዳያት ሕጋዊ መንግስቲ ኣብ ዘይነበረሉ ኩነታት ከም ዝተፈፀሙ ብምግላፅ፤ እቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ መሰጋገሪ መንግስቲ፤ ሕገ-መንግስቲ እንተይፀደቐ ኣብ ዝኾነ ጉዳይ ክውስን ዘኽእሎ ስልጣን ከም ዘይነበሮ ኣብሪሆም።
እንተኾነ ግን ነዚ ብምጥሓስ እቶም ውሳነታት ዘተ እንተይተገበረሎም ብውሑዳት ውልቀ ሰባት ተወሲኖም ተግባራዊ እናተገበሩ ከምዝፀንሑ ኣዘኻኺሮም።
በዚ ምኽንያት ድማ እቲ ናይ ኢትዮጵያ ዝዓበየ ብሄራዊ ረብሓ ዝኾነ በሪ ባሕሪ ምስኣን ዘሕዝን ታሪኻዊ ስሕተት ምዃኑ ተዛሪቦም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን መንግስቲ ጉዳይ ምውናን በሪ ባሕሪ ብሰላማዊ መገዲን ብኣምር ሂብካ ምቕባልን ንምርግጋፅ እናገበሮ ዝርከብ ፃዕሪ ዝነኣድ ኣካይዳ ምዃኑ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።
ንኢትዮጵያ ካብ በሪ ባሕሪ ነፂልካ ምፅናሕ ኣይከኣልን ዝበሉ ኣይተ ኣባዱላ፤ ምውናን በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብዝኾነ ኣካል ክዕገት ዘይኽእል ዘይተርፍ ጉዳይ ምዃኑ እውን ገሊፆም።