ህንፀት ትካላት ኢትዮጵያ ዲፕሎማሲያዊ ተሰማዕነታ ክብ ኣቢሉ – ምሁራን
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዘካየደቶ ሰፋሕቲ ህንፀት ትካላት ኢትዮጵያ ዲፕሎማሲያዊ ተሰማዕነታ ክብ ክብል ግደ ምውፋዩ ምሁራን ገሊፆም።
ኣብ ኢትዮጵያ እንተጠናኸረ ዝመፀ ስራሕቲ ህንፀት ትካላት ተደላይነታን ተሰማዕነታን እናወሰኸ ምዃኑ ሙሁር ፖለቲካ ሳይንስ ሲቪል ሰርቪስ ዩኒቨርሲቲ ሙሉጌታ ደበበ (ዶ/ር) ንፋና ሚዲያ ኮርፓሬሽን ገሊፆም፡፡
ኢትዮጵያ ምስ ዞባዊ ሃገራት ዘለዋ ሓይሊ ኣማራፂ ብኢኮኖሚ፣ ማሕበራዊን ባህላዊ ምትእስሳርን ከምኡ እውን ኣብ ኩለመዳይ ተረባሕነት ርክባ ዕውት ምዃኑ ኣረዲኦም፡፡
ተመራማሪ ታሪኽን ባህልን ኣሕመድ ዘካርያ (ፕ/ር) ብግዲኦም፤ ኣብ ኢትዮጵያ ስራሕቲ ህንፀት ትካላት ናብ ክብ ዝበለ ብርኪ ምብፅሑ ገሊፆም፡፡
ብሃይለማርያም ተገኝ