ብሄራዊ ረብሓታት ኢትዮጵያ ምሕላው ዘምፅኦ ትርፊ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ – ፕሬዚደንት ታዬ
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መስከረም፣ 2019 ዓ.ም. (ኤፍ ኤም ሲ)ብሄራዊ ረብሓታት ኢትዮጵያ ምሕላው ትርፉ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ ኢሎም ፕሬዚደንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ።
ፕሬዚደንት ታዬ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ኤክስ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ ብሄራዊ ረብሓታት ኢትዮጵያ ብዘላቕነት ንምሕላው፤ ካብ ኣድማስ ሓሊፍካ ምሕሳብን ትብዓት ዝተመልኦ ስትራተጂካዊ ኣረኣእያ ምምዕባልን ከም ዘድሊ ገሊፆም።
ካብዚ ብተወሳኺ ንመፃኢ ምትንባይን ንሃገር ብራኽ ንምድያብ ብፅኑዕ ዝቖሙ ትብዓት ዝተመልኦም ስትራተጂካዊ ኣረኣእያታት ምምዕባልን ወሳኒ ከም ዝኾነ ኣገንዚቦም።
ፕሬዚደንት ታዬ ከምዚ ዓይነት ንፅባሕ ዝሳግርን ኣርሒቑ ዝርኢን ኣቀራርባ ምኽታል እታ ሃገር ኣብ መዳያት ዝተመዝገበ ሓፈሻዊ ዓወትን ተዓዋትነትን ዘምፅኦ ረብሓ ኣዝዩ ዝለዓለን ብዙሕን ከም ዝኾነ ኣስሚሮምሉ።