ሩስያ ሓይሊ ናዚ ዝሰዓረትሉ መበል 80 ዓመት በዓል ዓወት ይኽበር ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሩስያ ካልኣይ ኹናት ዓለም ወራሪ ሓይሊ ናዚ ብምምካት ዝሰዓረትሉ መበል 80 ዓመት በዓል ዓወት ኣብ ከተማ ሞስኮ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት እናተኸበረ ይርከብ፡፡
በዓል ዓወት ሩስያ ኣብ ኣደባባያት ሞስኮ ብዝተፈላለዩ ወታደራዊ ስነ-ስርዓታት ከምኡ እውን ዝኽሪ ሰማእታት ብምኽባር ተጀሚሩ፡፡
ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ወታደራት ከምኡ እውን ወታደራዊ ተሸከርከርቲ ኣብ ኣደባባይ ወታደራዊ ሰልፊ ክገብራ እየን፡፡
ብተወሳኺ ሩስያውያን ሃገሮም ኣብ ሰለስተ ዓውደ ውግእ ዓወት ናዚ ኣብ ዝረኸበቶ እዋን ዝተሰውኡ ኣዝማዶም ስእሊ ብምሓዝ ናብ ኣደባባይ ወፂኦም ሰማእትነቶም ክዝኽሩ እዩም፡፡