Fana: At a Speed of Life!

ውፅኢት ፋብሪካ ሽኮር ወንጂ ኣብ ካልኦት ፋብሪካታት ትፅቢት ይግበር – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ውፅኢት ፋብሪካ ሽኮር ወንጂ ዝተረኸበ ሪፎርም ውፅኢት ኣብ ካልኦት ፋብሪካታት ከምዝድገም ትፅቢት ይግበር ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡

ሪፎርም ከመይ ከምዝስራሕ ቀዋሚ ዓውደ ምርኢት ዝኾነ ውፅኢት ሽኮር ፋብሪካ ወንጂ ተዓዚብና ክብሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገሊፆም፡፡

ሽኮር ፋብሪካ ወንጂ ቅድሚ 70 ዓመት ብፅቡቕ መሰረት ምህናፁ ኣረዲኦም፡፡

ምስ ዘበን እንተዘይተጓዒዙ ምቅዳም ምብላፅ ኣየምፅእን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ ቀዲሙ ዝበቐለ እዝኒ ድሒሩ ንዝበወፀ ቀርኒ ክቀድሞ ይኽእል እዩ ኢሎም፡፡

እናቀልጠፉን እናፈጠሩን ዘበኑ እንድሕር ዘይቀዲምኹም፣ ግዘ ዓርሱ ይቕድም ክብሉ ኣገንዚቦም፡፡

ፋብሪካ ሽኮር ወንጂ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ንሰራሕተኛታቱ ደሞዝ ምክፋል ከምዘይኽኣለ ብምዝኽኻር ዕዳ ከም መርግ ተፃዒንዎ ነይሩ ኢሎም፡፡

ብምዃኑ ዝተሰርሐ ሪፎርም ኣብ መዓልቲ ካብ ዝነበረ 1 ሺሕን 500 ኩንታል ሎሚ ኣብ መዓልታዊ ፍርያት 7 ሺሕ ኩንታል ዓብዩ ኢሎም፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ን14 ዓመታት ካብ ስራሕ ወፃኢ ዝነበረ ናይ ብዙሕ መዘከርታ ደስታ ከረሜላ ከምብሓዱሽ ምፍራይ ጀሚሩ ክብሉ ኣዘኻኺሮም፡፡

ኣብ ዓውዲ ትሩፋት ሌማት ኣብ መዓልቲ 3 ሺሕ ሊትር ፀባን 20 ሽሕ እንቋቁሖን ምፍራይ ዘኽእል ስራሕ ምስርሑ ብምሕባር÷መልክዕ እቲ ግቢ ንዓይኒ ከምዝማርኽ ኣረዲኦም፡፡

ወንጂ ሎሚ ዘበን ፈተንኡ ሓሊፉ ኣብ ትሸዓተ ኣዋርሕ 8 ነጥቢ 7 ቢሊየን ብር እቶት ኣእትዩ ኢሎም እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፡፡

እዚ ጥንኹር ውፅኢት ሪፎርም ኣብ ካልኦት ፋብሪካታት ክድገም ትፅቢት ይግበር ÷ እንተሰሪሕና ፅባሕ ንቕድሞ ኢና ክብሉ ገሊፆም፡፡

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.