ሩስያ ስርዓት ኣልቦነት ምቅላሳ ክትቕፅል እያ – ቭላድሚር ፑቲን
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ፕሬዚደንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ሃገሮም ስርዓት ኣልቦነት ምቅላሳ ክትቕፅል እያ ክብሉ ገሊፆ፡፡
ሩሲያ ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ወራሪ ሓይሊ ናዚ ጀርመን ብምምካት ዝሰዓረትሉ መበል 80 ዓመት በዓል ዓወት ኣብ ርእሰ ከተማ ሞስኮ ብዝተፈላለየ ምድላዋት ተኻይዱ።
መዓልቲ ዓወት ኣብ ኣደባባያት ሞስኮ ብዝተፈላለየ ወተሃደራዊ ስነ-ስርዓትን ከምኡ እውን ሰማእታት ብምዝካር እናተኸበረ እንትኾን ኣብቲ በዓል ኦርሺኒክን ኣር ኤስ 28ን ኣህጉራት ኣቋራፂ ሚሳኤላትን ካልኦትን ዘበናዊ ዕጥቕታትን ንምርኢት ቀሪቦም።
ብተወሳኺ ኤር ስፔስ ሩሲያ፣ ታንኪ፣ ዘበናዊ ተሸከርከርቲን ካልኦት ወታደራዊ ክፍልታት ንምርኢት ኣቕሪቦም፡፡
ኣብ ሞስኮ ሬድ ስኩዌር ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ÷ሃገሮም ሩሲያ ዝፀልእ ምቕላሳ ክትቕፅል እያ ኢሎም፡፡
ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ብዙሓት ሓያላት ሃገራት ግዝኣቶም ብምሕላፍ በደላት ይፍፅሙ ከምዝነበሩ ኣዘኻኺሮም እዚ ግፍዒ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ሓይሊ ሶቭየት ሕብረት ምምላስ ምኽኣሉ ተዛሪቦም፡፡
ኣብ ሩስያ መበል 80 ዓመት መዓልቲ ዓወት መዘኸርታ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሰ ሓዊሱ ልዕሊ 20 መራሕቲ ሃገራት ተረኺቦም፡፡
ብሚኪያስ ኣየለ