ፈተና 12 ክፍሊ ካብ 23 ሰነ 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ክውሃብ እዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሎሚ ዓመት 12 ክፍሊ መዛዘሚ ፈተና ካብ 23 ሰነ ክሳብ 8 ሓምለ 2017 ዓ.ም ከምዝካየድ ሃገር ለኸ ግልጋሎት ምዘናን ፈተናን ኣፍሊጡ።
ዋና ዳይሬክተር እቲ ኣገልግሎት ኣይተ እሸቱ ከበደ (ዶ/ር) ንፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን፤ ብመርበብ ኢንተርኔት ፈተና ዝወስዱ ተምሃሮ ኣብ ክልተ ዙር ከምዝፍተኑ ተዛሪቦም፡፡
እዙይ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት ብመርበብ ኢንተርኔት ናይ ምፍታን ዓቕሚ ንምውሳኽ ዘለዎ ዓቕሚ መሰረተ ልምዓት ንምዕባይ ዝዓለም ምዃኑ ገሊፆም፡፡
ሎሚ ዘበን 12 ክፍሊ ፈተና 608 ሺሕ ተምሃሮ ፈተና ከምዝወስዱ ብምሕባር፤ ፈተና ብወረቐት ዝወስዱ ተምሃሮ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ዩኒቨርሲታት ከምዝፍተኑ ሓቢሮም።
ፈተና ብመርበብ ኢንቴርኔት ዝወስዱ ድማ ኣብ ዩኒቨርሲቲታት፣ መንግስታውን ውልቃዊ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ኮሌጃት ስልጠና ጥዕናን መምህራንን ከምኡ እውን ኣብ ኮሌጃት ቴክኒክን ሞያን ብኮምፒዩተር ክፍተኑ እዮም ኢሎም።
ብመሳፍንት እያዩ