Fana: At a Speed of Life!

መበል 47 ምስረታ በዓል እዚ ምዕራብ ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 47 በዓል ምስረታ እዚ ምዕራብ “ተምሳሌት ፅንዓት፤ ጋሻ ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ፓናል ዘተ ሓዊሱ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት እናተኸበረ ይርከብ፡፡

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምኽባር፤ ላዕለዋይ ኤታማዦር ሹም ሓይሊታት ጦር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፣ ምክትል ላዕለዋይ ኤታማዦር ሹም ጀኔራል ኣበባው ታደሰን ላዕለዎት መኮንናት እቲ እዚን ካልኦትን ተረኺቦምን፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳ፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ኣሻድሊ ሃሰን፣ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራን ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ እቲ ክልልን ድረስ ሳህሉ (ዶ/ር)ን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣካላትን ከምዝተረኸቡ ተገሊፁ፡፡

ኣብቲ ፓናል ዘተ ከምዝተገለፀ፤ እቲ እዚ ካብ ዝተመስረተሉ ግዘ ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍሊታት ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ዶብ ሃግ ንምኽባር ኣብ ዝተሰለፈሎም ወፍሪታት ጅግንነቱ ከምዘረጋገፀ ተሓቢሩ፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣርማ እዚ ምዕራብ ናይ ንፍላጥን ምረቓ ኣብ ጅግንነት እቲ እዚ ዘድሀበ መፅሓፍን ተኻይዱ፡፡

ብገላና ተስፋ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.