Fana: At a Speed of Life!

ዜጋታት ዓለም ለኸ ተወዳዳርነት ንምዕባይ ብነፃ ዝቀረበ ስልጠና ኮደርስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ዜጋታት ዓለም ለኸ ተወዳዳርነት ንምዕባይ ኢትዮጵያ ብነፃ ክቀርብ ዝገበረቶ ስልጠና ኮደርስ ልዑል ሸርፊ ወፃኢ ዝሓትት ምዃኑ ኣማካሪ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ኣብዮት ባዩ (ዶ/ር) ኣገንዚቦም፡፡

5 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ኮደርስ ፕሮግራም መናእሰይ ዲጂታል ክእለት ንክህልዎም ኣብ ዲጂታል ኢኮኖሚ ትርጉም ዘለዎ ተሳትፎ ክገብሩን ዘኽእል እዩ ክብሉ እቶም ኣማኻሪ ገሊፆም።

ዝወሃቡ ስልጠናታት፤ ኣብ ፕሮግራሚንግ፣ ብዳታ ሳይንስን ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስን ጠመተ ዝገብሩ ምዃኖም ኣብራህሪሆም፡፡

ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ስራሕ ሓደሽቲ ዕድላት ንምፍጣር፣ ኣብዚ ሕዚ እዋን ይስርሑ ዘለዎ ስራሕቲ ብዲጂታል ንምድጋፍን ተወዳዳሪ ንምዃን እቲ ስልጠና ከምዝሕግዝ ንፋና ዲጂታል ተዛሪቦም፡፡

እዞም ስልጠናታት ውልቀ ሰባት ብሸርፊ ወፃኢ ክፍሊት ብምፍፃም ዝረኽቡ ምዃኑ ገሊፆም፤ እዙይ ንመብዛሕቲኦም መናእሰይ ሃገርና ኣፀጋሚ ምዃኑ ብምግንዛብ መንግስቲ ብነፃ ምቕራቡ ኣፍሊጦም፡፡

መናእሰይ ኢትዮጵያውያን እዚ ዕድል ብነፃ ክጥቀምሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

ብዮሐንስ ደርበው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.