Fana: At a Speed of Life!

ጉጅለ ዕጡቕ ኩርድ ኣማራፂ ሰላም ተቐቢሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ጉጅለ ዕጠቕ ኩርድ (ፒኬኬ) ድሕሪ ኣርባዓ ዓመታት ዕጥቃዊ ቃልሲ ናብ ሰላማዊ ቃልሲ ንምምፃእ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ጉጅለ ነዚ ውሳነ ዘመሓላለፈ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 5 ክሳብ 7 ግንቦት 2025 ኣብ ዘካየዶ ኮንግረስ ኢዩ።

ፒኬኬ ን40 ዓመታት ዝገበሮ ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ኩርዲስታን ንዝኸፍአ ፀገም ዘቃለዐ ከምዝኾነ ዝሓበረ እቲ ጉጅለ÷ ሕቶ ኩርድ ብሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ምፍታሕ ዝሐሸ ኣማራፂ ኮይኑ ከምዝተረኸበ ገሊፁ፡፡

እቲ ውሳነ ስዒቡ ወታደራዊ ውዳበታት ከምዝፈርሱ ዝገለፀ እቲ ጉጅለ÷ ድሕሪ ሕዚ ብሽን እቲ ጉጅለ ዝግበር ዝኾነ ወታደራዊ ወፍሪ ከምዘይህሉ ኣረጋጊፁ፡፡

ብሚኪያስ አየለ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.