Fana: At a Speed of Life!

ኢኮኖሚ ንምርግጋዕ ዕዉት ስራሕቲ ተኻይዶም – እዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ዝሓለፉ 7 ዓመታት ከም ሃገር ኢኮኖሚ ንምርግጋዕ ዕዉት ስራሕቲ ውፅኢት ምስርሖም ሚኒስትር ዴኤታ ገንዘብ እዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ዝገበሩ ቢዝነስ ፎረም 2025 እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ከምዝበልዎ፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ኢኮኖሚ፣ ፖለቲካን ካልኦት ዓውድታትን ስራሕቲ ሪፎርም ምስርሑ ኣልዒሎም፡፡

በዙይ ድማ ኢትዮጵያ ምስ ወፃኢ ሃገራት ዘለዋ ኢኮኖሚያዊ ርክብ ምጥንኻሩ ገሊፆም።

መንግስቲ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኢኮኖሚ ንምርግጋዕ ስራሕቲ ምምሕያሽ ማክሮ ኢኮኖሚ ሓዊሱ ብዙሓት ዕዉታት ተግባራዊ ምክያዶም ኣረዲኦም።

ከምሃገር መዓድንን ቱሪዝምን ሓዊሱ ብዘለውዎ ብዙሓት ሃፍቲ ተፈጥሮ ብዝድለ መልክዑ ፅዒርና እንተሰሪሕና ዝተመሓየሸ ለውጢ ምምፃእ ንኽእል ኢና ኢሎም፡፡

ኣብ ዝሓለፉ 7 ዓመታት ብብርኪ ሃገር ኣብ ኢኮኖሚያዊ ዓውዲ ዝተመዝገበ ዓወት ብትልምን ቆራፅነትን ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዝተረኸበ ምዃኑ ኣገንዚቦም፡፡

ብወንድማገኝ ፀጋዬ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.