Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ መድን ንፋሲል ከነማ ብምስዓር መሪሕነታ ኣጠናኺራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 29 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ኢትዮጵያ መድን ንፋሲል ከነማ 2 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ብምስዓር መሪሕነታ ኣጠናኺራ፡፡

መሪሕ እቲ ሊግ ዝኾነት ኢትዮጵያ መድን ናብ ዓወት እንትትምለስ ፋሲል ከነማ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ተኸታትልቲ ፀወታታት ክትዕወት ኣይከኣለትን፡፡

እቲ ውፅኢት ስዒቡ ኢትዮጵያ መድን ብ57 ነጥቢ እንትትመርሕ ፋሲል ከነማ ብ35 ነጥቢ ኣብ 10ይ ደረጃ ትርከብ፡፡

ፀወታታት እቲ ሊግ ቀፂሎም እንትካየዱ ሰዓት 9 ድሬዳዋ ከተማ ምስ መቐለ 70 እንደርታ ከምኡ እውን ምሸት ሰዓት 12 ሃዲያ ሆሳእና ምስ ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲ ክራኸባ ኢየን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.