Fana: At a Speed of Life!

ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ 16 ሸቶታት ብምምዝጋብ ንሲሸልስ ስዒራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ ምስ ሲሸልስ ኣብ ዝገበረቶ ዓለም ለኸ ናይ ምሕዝነት ፀወታ ንሲሸልስ 16 ን 0 ብዝኾነ ሰፊሕ ኣፈላላይ ሸቶ ስዒራ።

ኣብ ስታዲየም ኣበበ ቢቂላ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ፤ ንግስት በቀለ፣ ታሪኳ ዴቢሶ፣ እሙሽ ዳንኤል፣ ኣረጋሽ ካልሳን ቤተልሄም መንተሎን ሕድሕደን ከክልተ ሸቶታት ኣመዝጊበን።

ምህረት ኣየለ፣ እፀገነት ግርማ፣ ቱሪስት ለማ፣ ሚለን ጋይም፣ ዳግማዊት ሰለሞንን ማህሌት ምትኩን ድማ ነተን ዝተረፋ ሸቶታት ኣብ መርበብ ኣዕሪፈንአን።

ካልኣይ ናይ ምሕዝነት ፀወታ ክልቲአን ሃገራት ቀዳም 23 መስከረም 2019 ዓ.ም ክካየድ እዩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.