ዓመታዊ ጉባኤ ርክበ ካህናት ቅዱስ ሲኖዶስ ምክያድ ጀሚሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፀገማት ብሰላማዊ ዘተ ብምፍታሕ ሃገር እፎይታ ንኽትረክብ ምግባር ከምዝግባእ ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘአኵስም ወዕጨጌ ዘመንበረ ተክለ ሃይማኖት ብፁእ ኣቡነ ማትያስ ገሊፆም፡፡
ኣቡነ ማትያስ ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዝገበሩዎ መደረ፤ “ንህዝበ እግዚአብሔር እነበርክቶ ኣገልግሎት መንፈሳዊ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ኣብ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ኣገልግሎት እውን ኢዩ” ኢሎም፡፡
ህዝብና ዝሐሸ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንኽረክብ ኣብ ኢኮኖሚ እውን ካብ ድኽነት ዝተናገፈ ንኽኸውን ብተግባር ብምስታፍ ኣርኣያ ብምዃን ምስራሕ ይግባእ” ክብሉ እውን ገሊፆም፡፡
ከም ሃገር እውን ኩሉ ዘረዳድእ ሓሳብ ብምድላይ ፀገማት ብሰላማዊ ልዝብ ብምፍታሕ በዚ ኣማራፂ ኢትዮጵያ ዕረፍቲ ክትረክብ ምግባር ከምዝግባእ ምዒዶም፡፡
እቲ ጉባኤ፤ መንፈሳዊ፣ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ምምሕዳራዊን ኣፈፃፅማ እታ ቤተክርስቲያን ብምግምጋም ኣንፈት ስራሕ ከምዘቐምጥ ሓቢሮም፡፡
ብምንተስኖት ሙሉጌታ