ሰብ ሞያ ሚድያን ኮሙኒኬሽንን መሪሕ ግደ ክዋፅኡ ከምዝግባእ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሃገራዊ ለውጢ ስዒቡ ኣብ ኩሉ ዓውዲ ዝተረኸቡ ዓወታት ኣጉሊሁ ንምርኣይ ሰብ ሞያ ሚድያን ኮሙኒኬሽንን መሪሕ ግደ ክዋፅኡ ይግባእ ክብሉ ሓላፊ ዓውዲ ርክብ ዓለም ለኸ ህዝብን ፓርቲ ብልፅግናን ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡
“ድሕሪ ሓቂ ዘበን ብሓቅን ፍልጠትን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ንላዕለዎት ኣመራርሓ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ከምኡ እውን ንሰብ ሞያ ሚድያን ኮሙኒኬሽንን ስልጣና ይውሃብ ኣሎ፡፡
ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን፤ ኣብ ፍልጠት ዝተጣየሸ ጭቡጥ ሓበሬታ ናብ ሕብረተሰብ ንምብፃሕ ልዕልና ኢትዮጵያ ዘርእዩን ሽርሒ ፀላእቲ ዘቃልዑን ስራሕቲ ኮሙኒኬሽን ትኹረት ምግባር ይግባእ ኢሎም።
ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ኢሳቅ ኣብዱልቃድር ብግዲኦም÷ ኣብ ዓውዲ ሚዲያን ኮሙኒኬሽንን ዘርፋ ምትእስሳር ህዝቢ፣ ሓበራዊ ህንፀት ያታ ዘጠናኽርን ሓድነት ዘጉልብቱ ሓበሬታታት ብምሃብ ኣጠናኺሩ ከምዝሰርሕ ኣገንዚቦም፡፡