ሃገር ናተይ ዝብሎ መውፅኢን መእተዊን እንድሕር ዘይሃሊዩዋ ንዝመፅእ መጥቃዕቲ ዝተቓለዐት ትኸውን – ምሁራን
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሃገር ናተይ ዝብሎ መውፅኢን መእተዊን እንድሕር ዘይሃሊዩዎ ንዝመፅእ መጥቃዕቲ ዝተቓለዐ ከምዝኸውን ምሁራን ገሊፆም።
ምስ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ፃንሒት ዝገበሩ ተማራማሪ ፖለቲካ ሳይንስን ዓለም ለኸ ርክብን ብሩክ ሃይሉ (ፕ/ር) ከምዝበሉዎ፤ ሕቶ በሪ ባሕሪ ዘይምምላስ ኢትዮጵያ ኣብ ስግኣት ዘላ ሃገር ንኽትከውን ይገብራ።
በሪ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ኣብ ኢኮኖሚ፣ ፖለቲካዊን ድሕንነትን ጉዳያት ናብ ፀገም ከምዝኣትዋ ብምግላፅ÷ ሃገር ናይ ባዕለይ ትብሎ መውፅኢን መእተዊን በሪ እንድሕር ዘይሃሊዩዋ ንዝመፅእ መጥቃዕቲ ዝተቓለዐት ትኸውን ኢያ ኢሎም።
በሪ ባሕሪ ዘለዋ ሓንቲ ሃገር ድሕንነታ ብዝሐሸ ኩነታት ክተሕሉ ከምትኽእልን ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዘይምምላስ እታ ሃገር ኣብ ስግኣት ዘላ ክትከውን ከምዝገብር ሓቢሮም።
ብወገን መንግስቲ በሪ ባሕሪ ብሰላማዊ መገዲ ናይ ምርካብ ይኹን ግልፂ ዝኾነ ሕቶ ምቕማጡ ብምሕባር÷ ኣብቲ ጉዳይ ዕላማ ህዝቢን መንግስቲን ተመሳሳሊ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።
መምህር ታሪኽ ዝኾኑ በላይ ስጦታው ብግደኦም፤ ወደብ ካብ ካልኦት ሃገራት ተኻሪኻ ምጥቃም ኣፀጋሚ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ምስ ጅቡቲ ዘሎ ርክብ ኣብ ሰናይ ፍቓድ ጅቡቲ ዝተደረኸ ከምዝኾነ ከም ኣብነት ኣልዒሎም።
በሪ ባሕሪ እንተሃሊዩ ግን ኢትዮጵያ ወደብ ዘካርያ ሃገራት ዘብፀሐኦ ፅዕንቶ ንምቅላል ከምዘኽእላ ተዛሪቦም።
“ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብታ ኣህጉር ኣባይን ፅዕንቶ ፈጣሪትን ሃገር ኮይና እናሃለወት ወደብ ኣልቦ ናይ ምዃና ነገር ሕንቅሕቅሊተይ ኢዩ” ክብሉ ገሊፆም።
ኩሉ ኢትዮጵያዊ በሪ ባሕሪ ንምርካብ ዘለዎ ሕቶ ከምዝምልከቶን ሃገር ሉኣላዊነታ ተሓሊዩ ዕቤታ ንኽቕፅል በሪ ባሕሪ ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
ብዮናስ ጌትነት