Fana: At a Speed of Life!

ኪነ ጥበብ ሕብረ ብሄራዊት ኢትዮጵያ ንምህናፅ ርኡይ ግደ ይፃወት – ነብዩ ባዬ (ረ/ፕ)

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኪነ ጥበብ ሕብረ ብሄራዊት ኢትዮጵያ ንምህናፅ ኣብ ዝተጀመሩ ፃዕሪታት  ርኡይ ግደ ይፃወት  ኢዩ ክብሉ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን ነብዩ ባዬ (ረ/ፕ) ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ዴኤታ ምስ ፋና ዲጂታል ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ኪነ ጥበብ ኣብ ኩለን ሃገራት ከባቢን ባህሊን፡ ትውፊት፣ ቋንቋን ታሪክን ናይ ምግላፅ ዓቕሚ ከምዘለዎ ተዛሪቦም።

ኣብ ኢትዮጵያ እውን ኪነ ጥበብ ዝሓለፈን ናይ ቀፃሊን ንምስናድ ኣብ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ዛዕባታት ሃገር ንምስኣል ረብሓ ይውዕል ከምዝፀንሐ ኣዘኻኺሮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዝነበሩ ጥበበኛታት ናይ ኢትዮጵያ መልክዕ ይገልፁ ከምዝነበሩ ብምዝኽካር፥ ጥበብ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቀያየሩ መንግስታት ታሪክ ናይ ባዕሉ ኣሰር ኣንቢሩ ምሕላፉ ገሊፆም።

ድሕሪ ኲናት ዓድዋ ጥበብ ጠመተ ተዋሂቡዎ ንክስፋሕፋሕ ምግባሩ ብምሕባር፥ ብፍላይ ከም ቴኣትርን ኪነትን ዓይነት ጉጅለታት ኪነ ጥበብ ምድራኾም ኣረዲኦም።

ብሚኪያስ ኣየለ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.