ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ንሹም ተምቤን ፓርቲ ሕጋዊ ክልላዊ ፖለቲካ ፓርቲ መረጋገፂ ሂቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ንሹም ተምቤን ፓርቲ ፍቓድ ምዝገባን ሕጋዊ ሰብነትን ክልላዊ ፓርቲ ፖለቲካ ከም ዝሃበ ኣፍሊጡ።
ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውፅኦ ሓበሬታ፤ ብኣዋጅ ቁፅሪ መረፃ፣ ውድባት ፖለቲካን ስነ ምግባር መረፃን ኢትዮጵያ 1162/2011 ዓ/ም ነቲ ቦርድ ብዝተውሃቦ ስልጣን መሰረት ንሹም ተንቤን ፓርቲ ምስክር መረጋገፂ ምዝገባን ሕጋዊ ሰብነትን ክልላዊ ፓርቲ ፖለቲካ ከም ዝተውሃቦ ኣፍሊጡ።