ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንነበርቲ ቀንዲ ሕቶ ዝኾነ ፀገም መንበሪ ኣባይቲ ንምፍታሕ ይስራሕ ኣሎ – ከንቲባ አዳነች አቤቤ
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ በጎነት ቁፅሪ 3 ተባሂሉ ዝተሰየመ መንደር መንበሪ ዝተሃነፀ በዓል ሓሙሽተ ደብሪ ሕንፃ መሪቆም ንዓቕሚ ድኹማት ኣመሓላሊፈን፡፡
እቶም ኣባይቲ ኣብ ክፍለ ከተማ ብልሙድ ገብስ ሰፈር ዝበሃል መንደር መንበሪ ይነብሩ ንዝነበሩ ዓቕመ ደካማን ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ፀገም ዝተቓልዑ ነበርቲ ተመሓላሊፉ።
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ እዋን÷ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ቀንዲ ሕቶ ዝኾነ ፀገም መንበሪ ኣባይቲ ንምፍታሕ እናተሰርሐ ምዃኑ ገሊፆም።
ክሳብ ሕዚ 270 ሽሕ ኣባይቲ ተሃኒፆም ንነበርቲ ምምሕልላፉ ኣዘኻኺሮም÷ ካብዚኦም ውሽጢ 39 ሺሕ ኣባይቲ ብሰብ ሃፍቲ ምዃኖም ተዛሪበን።
ብኣንዱዓለም ተስፋዬ