ማንቼስተር ሲቲ ቦታ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ንምርካብ ትገብሮ ንሕንሕ
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 37 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ማንቼስተር ሲቲ ኣብ ሜዳኣ ምሸት ሰዓት 4 ንቦርንማውዝ ክተተኣናግድ ኢያ።
ብኣሰልጣኒ ፔፕ ጓርዲዮላ ትምራሕ ጋንታ ማንቸስተር ሲቲ ብ65 ነጥቢ አብ 6ይ ደረጃ ዝተቐመጠት እንትት ከውን፤ ናይ ሎሚ ምሸት ፀወታ እንተስዒራ ነጥባ ናብ 68 ክብ ብምባል ናብ 3ይ ደረጃ ክትዓቢ ትኽእል ኢያ።
ብ53 ነጥቢ ኣብ መበል 11 ደረጃ ትርከብ ቦርንማውዝ ብግደኣ ዓወት እንተቐኒዑዋ ናብ 8ይ ደረጃ ክትመፅእ ትኽእል ኢያ።
ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ኣብ ፀወታ ፍፃመ ፅዋዕ ኤፍ ኤ ካፕ ብክሪስታል ፓላስ ዝሰዓረት ሲቲ፤ ናብ ዓወት ንምምላስን ኣብ መድረኽ ኣውሮፓ ተሳታፊት ዝገብራ ነጥቢ ንምርካብን ብርቱዕ ንሕንሕ ክትገብር ኢያ ዝብል ትፂቢት ኣሎ።
በካሊእ ፀወታ ብተመሳሳሊ ሰዓት ክሪስታል ፓላስ ንዎልቭስ ክተተኣናግድ ኢያ።
ክሪስታል ፓላስ ብ49 ነጥቢ ኣብ መበል 12 ደረጃ እንትትርከብ ዎልቭስ ብግደኣ ብ41 ነጥቢ መበል 14 ደረጃ ተቐሚጣ ትርከብ።
ፓላስ ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ንማንቼስተር ሲቲ ብምስዓር ድሕሪ ክፍለ ዘበን ፅዋዕ ኤፍ ኤ ካፕ ምዕታራ ይይከር፡፡
ብወንድማገኝ ፀጋዬ