Fana: At a Speed of Life!

ሩሲያን ዩክሬንን ካልኣይ ዙር ዘተ ሰላም ጀሚረን

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሩሲያን ዩክሬንን ካልኣይ ዙር ዘተ ሰላም ኣብ ቱርክ ከተማ ኢስታንቡል ተጀሚሩ፡፡

ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝግበር ካልኣይ ዙር ዘተ ሰላም ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ቱርክ ሃካን ፊዳን ዝተመርሐ እንትኾን፣ ሰብ መዚ ቱርክ፣ ሩሲያን ዩክሬንን ተሳቲፎምሉ።

ኣማኻሪ ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ቭላድሚር ሜዲንስኪን ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሚካሂል ጋሉዚን ሓዊሱ ላዕለዎት ወታደራዊ ሰብመዚ ንሩሲያ ወኪሎም ኣብ መድረኽ ዘተ ሰላም ተራኺቦም።

ብወገን ዩክሬን ሚኒስትር ምክልኻል ሩስቴም ኡሜሮቭን ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ሰርጊ ኪስሊቲት ከምኡ እውን ሰብመዚ ደሕንነት ተሳተፍቲ ኮይኖም።

ካብ ዩክሬን ዝቐረበ ሰነድ ሓሳብ ሰላም ምቅባላ ሜዲንስኪ ዘረጋገፁ እንትኾን፤ ፕሬዝዳንት ዩክሬን ዘለንስኪ ግን ሩስያ ዘቕረበቶ ከምዘየለ ተዛሪቦም።

ብዮናስ ጌትነት

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.