Fana: At a Speed of Life!

ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ከተማ መቐለ ሙሉእ ብሙሉእ ዕንወት ከምዝበፅሖ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ክልል ትግራይ ብዝተፈጠረ ጎንፂ ካብ 22 ክሳብ 23 መስከረም 2019 ዓ.ም ኣብ ዝነበረ እዋን ኣብ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ከተማ መቐለ ብዕጡቃት ዝተሓገዘ ዕንወትን ጉሕለትን ከምዝተፈፀመ ተሓቢሩ።

ምኽትል ከንቲባ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣይተ ገ/ህይወት ገ/ስላሴ ኣብቲ ቤት ፅሕፈት ዝበፅሐ ዕንወት ህዝቢ ብቐረባ ዝግልገለሉን ምምሕዳራዊ ፀገማቱ ዝፈትሐሉ ትካል ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ዝገበረ እኩይ ተግባር እዩ ኢሎም።

እቲ ዝበፅሐ ዕንወት በዓል ሓደራ ምምሕዳር ስሩዕ ስራሕቱ ንከይጅምር ዕንቅፋት ዝፈጠረ’ኳ እንተኾነ ሰራሕተኛታት ናብ ሓደ ማእኸል ተጠርኒፎም ሕብረተሰብ ግልጋሎት ዝረኽበሉ ዕድል ከምዝፍጠር ብምሕባር ምስ እዚ ጎናጎኒ ድማ ሕድሳትን ፅገናን ተገይሩ ናብ ስሩዕ ስራሕ ከምዝእቶ ገሊፆም።

ከተማ መቐለ ካብ ኩለ መዳይ ዕንወት ወፂኣ ክትለምዕ ዝተሓንፀፁ ፕሮጀክታት ልምዓት ተግባራዊ ብምግባር ህዝብና ዝሓውየሉ ስራሕቲ ዳግመ ህንፀት ክዓምም እዩ ኢሎም።

ብካልእ ወገን ድማ ኣብ 2016 ዓ.ም ዝተጣየሸ ዓብይ ክፍሊ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ከተማ መቐለ ዝኾነ ማእኸል ICT ውን ኣብ ልዕሊ መቆፃፀሪ ክፍሊ CCTV ካሜራ ዕንወት ከምዝበፅሖ ሰራሕተኛ ዘፈር ሰላምን ፀጥታን ከተማ መቐለ ዝኾኑ ኣይተ ዓብለሎም ካሕሳይ ገሊፆም።

እቲ ማእኸል ገበንን ስግኣት ገበንን ንምቕናስ ዓሊሙ ዝተጣየሸን ፖሊስ ከተማ መቐለ ኣብታ ከተማ ዝፍጠሩ ገበናት ብምስጢር ተኸታቲሉ ሓለዋ ዝገብረሉ ከምዝነበረ ተዛሪቦም።

ምስ ፖሊስ ከተማ መቐለ ብምትሕብባር ክኢላታት እቲ ማእከል ብሰለስተ ሽፍቲ ን24 ሰዓታት ድሕንነት ከተማ መቐለ ክትትል ዝግበረሉ ዳታ ሴንተር ኮይኑ 49 ካሜራታት ኮንትሮል ዝግበረሉ ምንባሩ ሓቢሮም።

ይኹን እንበር በቲ ዝተፈጠረ ፀገም ፀጥታ ካብ 22 ክሳብ 23 መስከረም 2019 ዓ. ም መንነቶም ብዘይተፈለጡ ዕጡቓት ማዕፆ ሰይሮም ብምእታው ሙሉእ ብሙሉእ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ከምዝገበርዎ ኣረዲኦም።

ብኤሊያስ ሚካኤል

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.