ከፈልቲ ግብሪ ብእምነት ግብሪ ምኽፋል እንተዘይክኢሎም ሃገር የለን ማለት ኢዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒሰትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝቐረቡሎም ሕቶታት ኣብ ዝሃብዎ ምላሽን መብርሂን፥ ሎሚ ዘበን 900 ቢሊየን ብር ከምዝተረኸበ ተዛሪቦም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መብርሂኦም፥ ሓፈሻዊ ወፃኢ ኢትዮጵያ ድማ 1 ነጥቢ 2 ትሪሊየን ብር ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
እቲ ኣታዊ ብመንፅር ሓፈሻዊ ፍሪያት ኢኮኖሚ አንትረአ ትሑት ምዃኑ ገሊፆም።
ኣስታት 46 ሺሕ ዝኾኑ ተመዝገብቲ ታክስ ግብሪ ይኸፍሉ ዘይምህላዎም ብምግላፅ፥ ፍርቆም ፀብፃብ ኪሳራ ብምቕራብ፣ ዝተረፈ ድማ ኣታዊን ወፃኢን ተመጣጣኒ ኢዩ ብምባል ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
ትርፊ የብለይን ብምባል ፀብፃብ ዘቕርብ ከምዘሎ አወን ሓቢሮም።
ኣብ ኢትዮጵያ ፍቓድ ንግዲ ካብ መንጎ ዝወሰዱ ግብሪ እናኸፈሉ ዘለዉ 37 ሚኢታዊ ጥራሕ ምዃኖም ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ካብ እዚኣቶም ዝእከብ ኣታዊ ብሓፈሻ 60 ሚኢታዊት ጥራሕ ዝሽፍን ኢዩ ኢሎም።
40 ሚኢታዊት ኣታዊ ካብ ዝተፈላለዩ ፍልፍላት ከምዝርከብ ገሊፆም።
ስለዝኾነ ሎሚ ዘበን 37 ሚኢታዊት ጥራሕ ዝኾነ ቁፅሪ ከፋሊ ግብሪ 50 ሚኢታዊት ምብፃሕ እንተተኻኢሉ ካብ ታክስ ዝእከብ ኣታዊ ይውስኽ ኢዩ ኢሎም።
ፀገም ምምሕዳር ታክስ ንምምዕርራይ ሪፎርም ይግበር ከምዘሎ ብምዝራብ፥ ግብሪ ምሕባእ ክተርፍ ከምዝግባእ ገሊፆም።
ዘይምዕሩይ ዝኾነ ጉዳያት ብፅሒት ምምዕርራይ ከምዝግባእ እውን ኣብሪሆም።
ኣከፋፍላ ግብሪ ዲጂታላይዝ ንምግባር ዝተጀመሩ ተግባራት እውን ውፅኢት የምፅኢ ኣለዉ ኢሎም።
ከፈልቲ ግብሪ ብእምነት ግብሪ ምኽፋል እንተዘይክኢሎም፥ መገዲ፣ ማይ፣ ትምህርቲ ብሓፈሻ ሃገር የለን ማለት ከምዝኾነ ገሊፆም።
ነዚ ተሓሳቢ ብምግባር እውን ማሕበረሰብ ንግዲ ግብሮም ብእምነት ክኸፍሉ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።