Fana: At a Speed of Life!

መወዳእታ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓትን ናፅነት ህዝቢ ትግራይን

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ህዝቢ ኢትዮጵያ ንነዊሕ ዘበናት ታሪኹ ብሓባር ናይ ምንባር፣ፀገማት ብሓባር ናይ ምፍታሕን ብምድግጋፍ ናይ ምዕባይን ጠንካራ ማሕበራዊ ክብርታት ዝተዓደለ ህዝቢ እዩ።

ኣብዚ ታሪኻዊ ክብርታት ውሽጢ ህዝቢ ትግራይ ንሓድነት ሃገር፣ ንሉዓላውነትን ኢኮኖሚያዊ ዕቤትን ዓብዩ እጃም ዘበርከተ ዓብዩ ህዝቢ ምዃኑ ዘይካድ ሓቂ እዩ።

እንተኾነ ግን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ናይ ስልጣን ባህጉን ረብሓ ጉጅለኡን ንምሕላው ክብል ነዚ ዓብዩ ህዝቢ ናብ ዘይግብኦ ኣጉዶ ኲናት፣ ከቢድ ድኽነትን ሰላም ኣልቦነትን ክኣቱ ገይርዎ እዩ።

ዘይሕጋዊ ጉጅለ ካብ ስልጣን ካብ ምእላዩ ጀሚሩ ንሃገራዊ መስርሕ ለውጢ ክቕበልን ንሰላማዊ መንገዲ ዕድል ክህብን ድሌት ኣየርኣየን።

ብኣንፃሩ ንሕገ መንግስታዊ ስርዓት ንምፍራስ፣ ንሉዓላውነት ሃገርን ንሓባራዊ ምንባር ህዝብታትን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኣካይዳ ክኽተል ፀኒሑ እዩ።

ነዚ እኩይ ዕላማኡ ንምዕዋት ድማ ቀንዲ መሳርሒ ገይሩ ዝተጠቕመሉ ህዝቢ ትግራይ እዩ።

ኣመራርሓ እቲ ጉጅለ ንህይወቶምን ረብሓን ድሕነትን ስድራቤቶምን ኣብ ውሑስ ቦታ እናኣቐመጡ፣ ደቂ ድኻታትን መንእሰያትን ብዘይ ርህራሄ ናብ ግንባር ኲናት ብምግዳድ እናዳጎነ ዕድመ ስልጣኖም ከንውሑ ፀኒሖም እዮም።

ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከብ ዓቕሚ መንእሰያት ንልምዓት፣ ትምህርትን ስራሕ ፈጠራን ካብ ምጥቃም ወፃኢ ኣተሓሳስባ ኲናት ብምስራፅ፣ ተስፋ ህይወቶም ከም ዝስእኑ ተገይሩ እዩ።

ንሓረስቶት እቲ ክልል “ደቅኹም እንተዘይኣሰሊፍኩም” ብዝብል ምፍርራሕን ፀቕጥን ብምፍጣር፣ ብዙሓት ቆልዑን መንእሰያትን ብዘይ እኹል ስልጠና ናብ ሓዊ ኲናት ደርብይዎም እዩ።

እዚ እኩይ ተግባር ብዙሓት ኣዴታት ትግራይ ደቀን ክስእና፣ ኣረጋውያን ደጋፊ ክስእኑ፣ ቆልዑ ብዘይ ሓላዊ ክተርፉን ሓፈሻዊ ማሕበራውን ቁጠባውን ንጥፈታት እቲ ክልል ክዳኸምን ምኽንያት ኮይኑ እዩ።

መንግስቲ ፌደራልን ዓበይቲ ዓድን፣ ኣዕናዊ ሳዕቤን እቲ ፀገም ብምግንዛብ ብተደጋጋሚ ናይ ሰላም ኢዶም እኳ እንተዘርግሑ እቲ ዘይሓጋዊ ጉጅለ ግን ኩሉ ማዕፆታት ሰላም ክዓፁ ፀኒሑ እዩ።

ሰላም እናሰፈነ ብዝኸደ መጠን ፖለቲካዊ ህልውና እቲ ጉጅለ ከም ዝውዳእ ብምስጋእ ኩሎም ናይ ሰላም ፃውዒታት ከም ድኽመት ብምቑፃር ንዝቐርቡ ዝነበሩ ናይ ሰላም ተበግሶታት ክቕበል ኣይከኣለን።

ሳዕቤን ናይቲ ኲናት ብቐንዱ ዝተሸከሙ ኣዴታት፣ ኣቦታት፣ ህፃናትን መንእሰያትን ትግራይ እዮም።

በዚ መሰረት ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ብዝተወሰዱ ስጉምትታት ምኽባር ሕጊ ህዝቢ ክልል ትግራይ ካብ ቀንበር እዚ ኣዕናዊ ጉጅለ ተላቒቑ ዳግማይ ኣየር ሰላም ክስተንፍስ ጀሚሩ ኣሎ።

ህዝቢ ትግራይ ካብ ኣዕናዊ ኣጀንዳ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ተላቒቑ ናብ ሰላማዊ ህይወቱ ክምለስ ድሌትን ፃዕርን መንግስትን መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያን እዩ ነይሩ።

ህዝቢ ትግራይ ታሪኻዊ ክብሩን ምስ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ህዝብታት ኢትዮጵያ ዘለዎ ጠንካራ ምትእስሳርን ሓልዩ ንምቕፃል፣ ንሰላም፣ ንልዕልና ሕግን ንሓባራዊ ዕቤትን ብምቛም፣ ጉዕዞኡ ብ“ኣሃዱ” ጀሚሩ ኣሎ።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

ብመልካም ፈቓዱ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.