Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር) ኣብ ኢትዮጵያ ሽፋን መገዲ 175 ሺሕ ኪሎሜትሮ ከምዝበፅሐ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሰነ፣ 2017 ዓ.ም(ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር) ኣብ ኢትዮጵያ ሽፋን መገዲ 175 ሺሕ ኪሎሜትሮ ከምዝበፅሐ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝተልዓሉ ሕቶታት ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ፥ 1 ነጥቢ 5 ትሪሊየን ብር ዝሓቱ 300 ፕሮጀክትታት ከምዝፀደቑ ገሊፆም።

እቶም ፕሮጀክትታት ንምህናፅ ውዕሊ ብምኽታም ኣብ ዝተፈላለዩ ብርክታት ስራሕ ከምዝርከቡ ኣብሪሆም።

ካብ መንጎ እቶም ፕሮጀክትታት እቶም 169 ለዕሊ 11 ሺሕ ኪሎሜትሮ መገዲ ኣብዚ ሐዚ እዋን ይህነፅ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 1 ሺሕ ኪሎ ሜትሮ መገዲ ከምዝምረኽ ተዛሪቦም።

17 ሺሕ ኪሎ ሜትሮ መገዲ ከቢደን ቀሊልን ፅገና ይግበረሉ ኣሎ ኢሎም።

ብሓፈሻ 28 ሺሕ ኪሎ ሜትሪ መገዲ ብፅገናን ሓዱሽን ይህነፅ ምህላዉ ተዛሪቦም እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር።

ሽፋን መሰረተ ልምዓት መገዲ ናይ ምዕባይ ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፆም።

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.